ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ኣባይ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ
ከም ሓደ ኣገዳስን መቕይሮ ድሑር ናብራን ከም ዝኾነን። ተሃኒፁ
ክሳብ ዝዉዳእ ድማ እቲ ብቐጥታ ተረባሒ ዝኾነ ህዝቢ ይንኣስ ይዕበ ብጉልበቱ ይኹን ካብ ዘላቶ ዕለታዊ ምግቡ ቀኑሱ ገንዘብ
ከዋፅን እጃሙ ከበርክት ከም ዘለዎ። ነዚ ክገብር ዘይከኣለ ግና ከም ዜጋ ዘይቑፀር ኣመሲሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ስርዓት
ብዘካይድ መጠነ ሰፊሕ ጎስጓስን ብግዴታ ዝተሰነየ መዋጮን ዝተረኸበ
ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለው ሰበስልጣንን ሞያተኛታትን ብጥቕሚ ተቖላሊፎም ነቲ ፕሮጀክት
ክመርሑ ተቐሚጦም ብዘለዉ ዘይሓላፍነታዉያን ጉጅለ ይዝመት ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣
ከም
መርኣያ ናይ’ቲ ብግዕዝይና ዝተጨማለቐ ኣሰራርሕኦም ድማ ንመሰርሒ ግድብ ኣባይ ክዉዕል ተባሂሉ ካብ ዝተላኣኸ መሳርሒታት። ብ19
ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣዚዩ ብርክት ዝበለ ስሚንቶን ቴንዲኖን ካብ ዉሽጢ መደበር ግድብ ኣባይ ብሓንቲ ቁፅሪ ታርጋ 57794
ዝኾነት ዓባይ መኪና ምስ ተሳሓቢታ ተመሻጢሮም ብምፅዓን። ናብ ከተማ ጎንደር ወሲዶም ንሓደ ሓሰን ማዕሩፍ ዝተባሃለ ዋናኒ
መኽዚን በዓል ሃፍቲ ከም ዝተሸጠሉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ
ገሊፅም፣