Pages

Monday, December 9, 2013

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መርካቶ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ዕንወት ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ። መዓልታዊ ሰፊሕ ናይ ንግዲ ልዉዉጥ ዝካየደሉን ብርክት ዝበለ ነጋዳይ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ መርካቶ። ብ25 ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣብ ዘጋጣመ ቃፀሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ንብረት ክበልዕ ዝኸኣለ ግዳያት ህፁፅ ሓገዝ መጥፋቲ ሓዊ ክግበረሎም ሽዑ ንሽዑ ስልኪ ደዊሎም ኣፍሊጦም እኳ እንተነብሩ። ኣይተኣዘዝናን ብዝብል ምኽንያት ክበፅሕሎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ከቢድ ዕንወት ክወርድ ከም ዝኽኣለ ኣረዲኡ፣
በዚ መሰረት’ዉን እቶም ግዳያት ዝኾኑ ነጋዶ ባርዕ ሓዊ ክለዓል ከሎ ገና ብጋንኡ ጉድኣት ከይበፅሐ ንዝምልከቶ ኣካል ኣፍሊጦም እንተብቅዑ። እቲ መንግስታዊ ትካል ሓደጋ መጥፍኢ ሓዊ ዝተዋሃቦ ህዝባዊ ተልእኾ ተረድኡ ግብኡ ክዋፃእ ብዘይምኽኣሉን ብሓፈሻ ድማ ፀገም ምሕደራ ዝወለዶ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝበፀሐ ክሳራ መንግስቲ ክኽሕሰና ኣለዎ ክብሉ ንዘቕረብዎ ሕቶ ክሳብ ሕዚ ግቡእ መልሲ ከም ዘይተዋሃቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ መደበር ሓሙሽተ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ብ23 ሕዳር 2006 ዓ.ም ሓንቲ ንነዊሕ ግዜ ተበላሽያ እናሃለወት ከየተኣለየት ዝፀንሐት ትራንስፎርመር ብዝፈጠረቶ ባርዕ ሓዊ ብርክት ዝበለ ንብረት ከም ዝዓነወን እዚ ከኣ  ብሸለልትነት ምምሕዳር ምኳኑ፣ ከምኡ’ዉን ብ25 ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ መደበር 11 ብበዝሒ ንግዳዊ ስራሕቲ ዝሳለጠሉ ብዝተፈጠረ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ካብ መንግስቲ ልዕሊ 300 ሽሕን 500 ብር ተለቂሖም ኣብ ሸቐጣ ሸቐጥ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ወገናት።  ኣብ ክሳራ ብምውዳቖም መንግስቲ እቲ ልቓሕን ዝመደበልናን ግብሪ ክንከፍል ስለዘይንኽእል ይግደፈልና ብምባል ይሓቱ ምንባሮም ተፈሊጡ፣