Wednesday, January 8, 2014

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ከተማ ዓድዋ ንብልሽው ኣሰራርሓ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣




ኣብ ዞበ ማእኸል ትግራይ ከተማ  ዓድዋ ኣብ ኣልመዳ ጨርቃ ጨርቂ ዝሰርሑ ብከባቢ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት፤ በቶም ሓለፍቲ እቲ ትካል ዝካየድ ዘሎ ገንዘብ ናይ ምጥፍፋእ  ተግባር  ብምቅዋም 24 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ውዕውዕ ዝኾነ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኮይኖም፤ ሓለፍቲ እቲ ትካል ብዝሰረቕዎ ዘይተኣደነ ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ፤ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ባንክታት ዘቐመጠዎ ገንዘብ ንባዕሎምን ቤተሰቦምን ዝተፈላልዩ ቪላታት ገዛውቲ ከም ዘሰርሑ እቶም ሰልፈኛታት  ገሊፆም፣
   ነቲ ተቓውሞ ሰልፊ  የዋሃህዱ  ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ተጋዳሊት  ህወሓት ነበር  ኪዳን ፀጋይ ከም ዝገለፀቶ፤ ብመስዋእትን ስንክልናን ኣሻሓት ደቂ ህዝቢ ናብ መርሕነት ዝተቖናጣጡ ሰበስልጣን ህወሓት፤ ሎሚ ነቲ ዝሰንከለን ዉላዱን ዝሰኣን ተቓላሳይ ህዝቢ  ንጎኒ ደርብዮም  ካብቲ ትካል ዝተረኸበ ኣታዊ እናመንዝዑ ንባዕሎም ስድራኦም ይጥቀሙሉ ብምህላዎም ኣዚያ ከም ዝሓዘነትን ኣንፃሮም ተቓዉሞኣ ክተምስምዕ ከም ዝተገደደትን ኣረዲኣ፣  
  ኣስዒባ ተጋዳሊት  ኪዳነ እቲ ጉዕዝይ ኣሰራርሓ እቲ ስርዓት ኣብ ኣልመዳ  ፋብሪካ ጨርቓ ጨርቂ ጥራሕ ዝተሓፀረ ዘይኮነስ፤ ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ምውራር ተዋፊሮም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፤ ዉፅዕ ህዝብና ግና ካብ ኢድ ናብ  ኣፍ ዝኾነ  ዝብላዕ ሲኢኑ ኣብ ከቢድ ድኽነትን ድሕረትን ጥሒሉ  ይርከብ ክትብል ወሲኻ ገሊፃ፣