Pages

Monday, January 6, 2014

ኣብ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ገበን ምክልኻል ተባሂሉ ብፖሊስ ዝተዳለወ መድረኽ ኣኼባ ብነባሪ ህዝቢ ተቐባልነት ከም ዝሰኣነ ተፈሊጡ፣

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ብ20 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ንመላእ ሕብረተሰብ እታ ከተማ ኣኪቡ ገበን ምክልኻል ብዝብል ዝኸፈቶ መድረኽ ኣኼባ፤ ተኣካቢ ህዝቢ ክንሰምዓኩም እንተኾይና መጀመርያ ኣብ ዉሽጢኹምን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ዝረአ ዘሎ ተደጋጋሚ ብልሽውና ዝተሰነየ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ብዝግባእ ገምጊምኩም፤ ፀሪኹም፤ ዉፅኢቱ ሕዝኩም ከይመፃእኹም ትዛረብዎ ዘረባ ኣይንሰምዓኩምን ብምባል ንመራሒ እቲ መድረኽ ከም ዝመለስሉ ኣረዲኡ፣
እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ኣስዒቡ ካብ ዘልዓሎም ሓሳባት ‘ቅድሚ ንህዝቢ ገበን ምክልኻል ምባልኩም ንባዕልኹም ፅረዩ። ርኡይ ገበን ትፍፅሙ ባዕልኹም ዶ ኣይኮንኩም ዘለኹም፤ ኣካላት ምምሕዳር ወረዳን ጣብያን ተባሂሎም ፀረ ሰናይ ምምሕዳር ዝሰርሑ ዘለዉ ቀዳሞት ባዕሎም ‘ዮም፤ ደያኑ ብግበርለይ ክገብረልካ ፍትሒ ከዛብዑ ንዕዘብ ኣለና፤ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ (ዓቃቢ ሕጊ) ረብሕኦም ብዘቐድሙ ሰራሕተኛ ዝተመልአ እዩ ክብሉ ብምረት ከም ተዛረቡ ተፈሊጡ፣
 ኣስዒቡ ኣብ ዉሽጢ እቶም ቀንዲ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዝበሃሉ ከይኣፅረኹም፤ ንሕና ዕለታዊ ሰርሕና ዉልቃዊ ናብራና ንመርሕ ገበን ምክልኻል ተማሃርና ኣይተማሃርና ዝመፅእ መሰረታዊ ለዉጢ የለን። ኣብቲ ቁልፊ ማሕንቖ መሰልን ፍትሕን ማዕርነትን ህዝብና ኮይኑ ዘሎ ኣተኲርኩም እንተይዓረኹም፤ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ትብልዎ ኩሉ ኣይንቕበሎን ብምባል ተኣከብቲ ነቲ መድረኽ ረጊፆም ተበቲኖም ከም ዝኸዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣