Wednesday, January 8, 2014

ወተሃደራት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣግልግሎት ግዜ ወዲኦም ክሳናበቱ ሓቲቶም ግቡእ መልሲ ብምስኣኖም ናብ ዘዝጥዕሞም ኣብ ምጥፍእ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣




ብዘይትግበር መብፅዓ ተዓሻሽዮም ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ተዓስኪሮም ንልዕሊ 7 ዓመት ከገልግሉ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት፤ ብመሰረት ሕገ ደንቢ ዉትህድርና ግልጋለቶም ዛዚሞም ሕጋዊ ምስንባት ክውሃቦም ብተደጋጋሚ ሓቲቶም ሰማዒ ኣካል ብምስኣኖም፤ ነቲ ስርዓት ራሕሪሕኻ ምጥፋእ እዋናዊ ስጉምቲ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ሰራዊት ዘልዕሎ ዘሎ እኳ እንተኾነ፤ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ገኒኑ ዝረአ ዘሎ ኣብ ምዕራብ እዝ ክፍለ ሰራዊት 24 ዝርከቡ ወተሃደራት ዳርጋ ዝበዝሑ ከም’ቲ ብኣግባቡ ዝኣተዉዎ ብኣግባቡ መሰናብቲ ክዋሃቦም ዉልቃዊ መመልከቻ ብምቕራብ ከምኡ’ዉን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ዓበይቲ መድረኽ ኣኼባ ተቓዉሞ ብዘስምዕ ሓበራዊ ሕቶ ዋላ’ኳ እንተቕረቡ፤ ሰማዒ እዝኒ ብዘይምርካቦም ኣብ ወጥሪ ከም ዘለዉ ኣብ ሰራዊት  ምክልኻል ዝርከቡ ምንጭታትና የረድኡ፣
በቲ ዓፋኒ ኣካይዳ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ዓቕሎም ዝፀንቀቑ ኣባላት ምክልኻል ምዕራብ እዚ ክፍለ ሰራዊት 24፤ ካብ’ቶም ብዙሓት ስንብት ሓቲቶም ዘይተመለሰሎም ዝተወሰኑ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከተማ ሓሽማ ብ25 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ዶብ ሰጊሮም ክኸዱ ተታሒዞም፤ ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ተኣሲሮም ካብ ዝርከቡ፤ ፊሎምን ዘበርሀን ማሕመድ ዳኒኤልን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣