Monday, January 6, 2014

ላዕለዎት መርሕነት ህወሓት ዘሰሓሕቦም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ምምንዛዕ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፣




ህላወ ህዝቢ ትግራይ ረስዖም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ጠቕሊሎም ጥሒሎም ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ዉድብ ህወሓት እቲ ካብ ዝሓለፈ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዉሽጦም ስምምዕ ከልእዎም ዝፀንሐ ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ዝብጀት ባጀት ቅድሚ ኣብ ልምዓት ምዉዓሉ ፈፀምቲ ኣካላት ክልል ትግራይ በቢጨንፈር ሓላፍነት ስርሖም እናወረሩ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
ብሰንኪ እዚ ግዕዙይ ኣሰራርሓ መርሕነት ህወሓት ህዝቢ መረረቱ ብተደጋግሚ ገሊፁ ቆላሕታ ከገልፅ ፀኒሑ ሰማዕ ስእኑ ህዝቢ ስለ ዝተፈኦም ሕዚ ዝተባራበሩ ክመስሉ  ኣብቲ ወራር ሃፍቲ ህዝቢ ተኻፈልቲ ዘይኮኑ መሪሕነት ምስ’ቶም በላዕቲ ኣብ ወጠጥ ተፀሚዶም ንዘካይድዎ ርክብ ምንዕዓቕ ብዝወለዶ ከይተረዳድኡ ይብተኑ ከም ዘለዉ ንፈልጢ ዉሽጢ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣቦ ወንበር ዉድብ ህወሓት ኣባይ ወልዱ ኣብ ከተማ ኣክሱም ፅርግያ መስርሒ ንሓደ ኪሎ ሜትር ብሒሳብ 1 ሚልዮን ብር ሰሊዑ ወፃኢ ዝገብሮ ገንዘብ ምክትሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣግባብነት የብሉን ብዝኾነ ይኹን መስርሕ ንሕድ ሕድ ኪሎ ሜትር 1 ሚልዮን ወፃኢ እናገብርካ ዝስራሕ ፅርግያ ኣብ ኣክሱም የለን። እዙይ ገንዘብ ብፅርግያ ኣመኽንኹም ኣጠፋፍእኹሞ ኢኹም ብምባሉ ዘበገስዎ ዝርርብ ናብ ምንዕዓቕን ምዝላፍን ኣምሪሑ ከይተረዳድኡ ከም ዝተረፉ ኣረዲኡ፣
ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ፈፀምቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ብገባቲ ኣባይ ወልዱ እናተመርሑ ዝምንዝዕዎ ዘለዉ ገንዘብ ብተዓዛቢ ህዝቢ ዓገብ ኣብ ዝበሃልሉ ኣብ ክንዲ ሰምዖም ዉሽጣዊ ፀገሞም ዝእረሙ ኣብ ዝንቀፍሉ ብሓይሊ ዓሚፆም ክሓልፍዎ ዋላ’ኳ ይፍትኑ እንተሃለዉ፤ ገለ ካብ ዉሽጦም ንዕድመ ስልጣኖም ክብሉ ይሕዝዎም ስለ ዘለዉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝገብርዎ ዝርርብ ብዘይምዕለቢ ክብተኑ ግድን ኮይኑ ይርከብ፣