Saturday, November 24, 2012

ኣብ ክልል ዓፋር ናይ ወረዳ ኣፍምቦ ኣባላት ካቢኔ ዝኾኑ ኣስታት 15 ወገናት። ንግዕዙይ ምሕደራ ወያነ ኢህወዴግ ብምቕዋሞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሳይታ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ክልል ዓፋር ይኽተሎ ብዘሎ ኣድልዎ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብህዝቢ ተቓዉሞ እናገጠሞ ዝመፀ እኳ እንተኾነ። ብምፍርራሕ፤ ብምእሳርን ካብ ስራሕ ብምብራርን ነቲ ስርዓት ብዝጥዕም እናሰርሓሉ መፂኡ። ኣብ’ዚ ሕዚ ግዜ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ዘመሓድርዎ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ በደልን ግፍዕን ክፃወሩ ዘይከኣሉ ናይ’ቲ ወረዳ ኣመሓደርን ምክትሉን ዝርከብዎም 15 ኣባላት ካቢኔ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሳይታ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ቢዱ ኣብ መንጎ ናይታ ወረዳ ኣባላት ካቢኔ ተፈጢሩ ብዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም 26 ኣባላት ካቢኔን። 17 ዓበይቲ ዓድን ተወለድቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ 43 ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሳይታ ተኣሲሮም ከም ዘለዉን ናይ ዞባ ክልተ ወረዳ ባራሓለይ ኣማሓዳሪ ኣቶ ዑስማን ዓሊ ዝበልናካ ግበር ተባሂሉ ብዘይምግባሩ። ካብ ስራሕ ከም ዝተባረረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝፍፀም ዘሎ ኩሉ ዓይነት በደልን ግፍዕን ስዩም ኣውል ዝተበሃለ ናይ’ቲ ክልል ፍትሕን ፀጥታን ኣተሓባባሪ ዋና ሓላፊ። ዕሱብ ካድረ ወያነ ኢህወዴግ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈትን ብናሃቱ  ቤተሰብን ኣዝማዱን ክባሓት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰፍ ዘይብል ግፍዕን በደልን ይፍፅም ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ የምልክት፣