Pages

Monday, November 19, 2012

ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ካብ ዉሉድ ወለዶ ንዘምናት ሒዞም ዝመፁ እምነት። ሊባኖሳዉያን ሰበኽቲ ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ እናተሓገዙ ብሓይሊ እምነቶም ንምልዋጥ ይፅዕሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣





ማሕበረሰብ እስልምና ክልል ዓፋር ነቲ ዘይቕበልዎን ዘይኣመንሉን “ኣሕባሽ” ዝተበሃለ ሓዱሽ እምነት ምስ ኣብ መላእ ሃገርና ዘለዉ ናይ ሃይማኖት ነፃነት ሕቶ ንክኽበር ተቓዉምኦም ሰስምዑ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብምዃን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕፅልሉ ከም ዘለው ተሓቢሩ፣
  ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ዳጋን ዝተኣሰሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ ይፈትሑልና ክብሉ ናብ ፖሊስ ጣብያ ኣብ ዝኸድሉ እዋን። ብኣባላት ፖሊስ እቲ ስርዓት 7 ንፁሃት ወገናት ከም ዝተቐተሉን ብርክት ዝበሉ ካዓ ከም ዝተኣሰሩን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
   እዚ ከምዚሉ እንከሎ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ መሰልና ይከበር ዝበሉ ማሕበረሰብ እስልምና ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ጠጠዉ ኣቢሉ። ህዝቢ ዝመረፆም ኣተሓባበርቲ ሃይማኖት ክሳብ ዝፍትሑ ዝመፀ ክሳብ ዝመፅእ። ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን “ኣሕባሽ”ን ተቓዉምኦም ቀፃሊ ምዃኑ ብምረት ተዛሪቦም፣
   ሕዚ ‘ውን ካብ ክልል ዓፋር ከይወፃእና። ኣብ ሰመራ ዩንቨርሲቲ ዝመሃሩ ተማሃሮ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራን ሕፅረት ባጀትን ትምህርቶም ጠጠዉ ከም ዘበሉ ተሓቢሩ፣
  እቶም ተማሃሮ ናይ’ቲ ዩንቨርሲቲ ብሰንኪ ፀገም መነባብሮ ትምህርቶም ገዲፎም ገሊኦም ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ዘካይዳ ዉድባት እንትፅበሩ ገሊኦም ድማ እግሮም ናብ ዝመርሖም ፈቐዶ ስደት ብዓይኒ ዕሙተይ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣