ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት
ወያነ ኢህወዴግ መራሕቲ ኣብ ከባቢ ዓፋር ዘካይድዎ ስራሕቲ ብጭቡጥ ንዘሎ ኩነታት ብምርዳእ ምስቲ ስርዓት ክጠዓዓሙ ዘይከኣሉ ሓደ
ሓደ ሰበ ስልጣናት ካብ ሓላፍነቶምን ስርሖምን ብዘይ ናይ ህዝቢ ዉሳነ ይባረሩ ከም ዘለዉ ካብ ከተማ ሰመራ ዞባ 4 ፋንቲራ ዝበፀሓና
ሓብሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝተባረሩ ሰበ ስልጣናት
1.አቶ መሓመድ ሙሳ ናይ ዞባ ፋንቲራሱ ወረዳ
ጉሌና ዋና አመሓዳሪ
2.አቶ አብዱ ሃይሳማ ናይ ወረዳ ቢዱ ዋና
አመሓዳሪ
3.አቶ አህመድ ሓሰን ናይ ዞባ ፋንቲራሱ ቤት
ፅሕፈት አ.ብ.ዴ.ፓ ሓላፊ ዝነበረ
4.አቶ ኣብራህም መሓመድ ናይ ወረዳ ቴሩ ቤት
ፅሕፈት ብ.ዴ.ፓ ሓላፊ ዝነበረ
5. አቶ ላዖይታ መሓመድ ናይ ዞባ ጋቢ ራሱ
ወረዳ አዋሽ ፈንታሊ አመሓዳሪ ዝነበረ እንትኾን። ኣብ ልዕሊ እዞም ካብ ሓላፍነቶም ዝወረዱ ዉልቀ ሰባት ዝጠበቐ ክትትልን ቁፅፅርን
ይግበረሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ኩነታት እዉን መራሕቲ ስርዓት ወያነን
ካድረታትን ሓለፍቲ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳታት ቢዱን ኩሪን ነበርቲ ንዝኾኑ ካብ 40 ንላዕሊ ቁፅሪ ዘለዎም ዓበይቲ ዓድን መናእሰይን
ዓፊኖም ብምሕፋስ ኣብ ቤት ህንፀት ኣሳይታ ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዞም ሰባት መእሰሪኦም ምኽንያት
ብግሊፂ ዝተፈለጠ ነገር እንተዘየለ እቲ ምኽንያት ግን ከምቲ ናይቶም ኣማሓደርቲ ዘይምትእምማን ዝፈጠሮ ከም ዝኸውን እቲ ሓብሬታ
ኣገንዚቡ፣