Monday, November 19, 2012

ብሽም ፍቓድን ባዕሎም ጠፍኦምን ከይዶም ናብ ኣሃዱኦም ዘይተመልሱ ወተሃደራት ወያነ-ኢህወዴግ እናተሃደኑ ንኽታሓዙ ውጥን ከም ዝውፀ ምንጭታትና ገሊፆም፣

www.demhit on line.com



 እቶም ሰብ መዓርግ ዝርከብዎም ብቑፅሮም ብርክት ዝበሉ ካብ ሰሜን እዝ ብፍቓድን ባዕሎምን ንገዝኦም ዝኸዱ ወተሃደራት ወያነ። ናብ ኣሃዱኦም ዘይምለስሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣመልኪቶም ምንጭታትና እንተብርሁ። ጠንቂ ብፍቓድ ምስ ከዱ ዘይመምለሲኦም ውትድርና ክቑፀሩ እንተለዉ በቲ ስርዓት ዝተኣተወሎም መብፅዓ ከይተተግበረ ብምትራፉን ኣብቲ ስርዓት እምነት ብዘይ ምህላወምን ዝፈጠሮ ምዃኑ ኣረዲኦም፣
ወተሃደራት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ መጀመሪያ ክቑፀሩ እንከለዉ ብካድረታት ኣብ ዝመሃርሉ ኣብያተ ትምህርቲ ጎስጓስ እንተካይድሎም። “ብመሰረት ደረጃ ትምህርትኹም ዝምጥን ኮምፒዩተር ሳይንስ ትምህርትን ካልኦት ናይ ሞያ ዓቕምታትን ክተዕብዩ ዘድሊ ስልጠና ክዋሃበኩም እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት መብፅዓ ተኣትይሎም ብምንባሩን። ኣብ ሰራዊት ዘሎ ኣዋህባ መዓርግን ካልእ ሞያዊ ስልጠና ብኣንፃሩ  ኢ-ፍትሓዊ ኮይኑ ስለ ዝፀንሖም ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ምህላዎም ተፈሊጡ፣