እቶም ኣብ ከተማ
ሎጎያ ስቪል ክዳን ተኸዲኖም ኣብ’ቲ ሆቴል ዕፅዉ ኣኼባ ዘካይዱ ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ። ኣብ’ቲ ከባቢ የጋጥሞም ንዘሎ ናይ
ህዝብን ተቓለስቲ ዉድባትን ተቓዉሞን ዘይምርግጋእን ንምቁፅፃር ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እቲ
ኣብ ከተማ ሎጎያ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዕፅዉ ኣኼባ። ብመሰረቱ ሃገራዉን ህዝባዉን ረብሓ ንምሕላዉ ዘይኮነ ዕድመ ስልጣን
እቲ ስርዓት ንምንዋሕን ተቓዉሞ ህዝቢ ብኸመይ ከም ዝጭፍልቕዎን ከም ዝዕፍንዎን ሜላታት ንምምሃዝ ክብሉ ዘይተኣደነ ባጀት ብሽም
መዓልታዊ ኣበል ወፃኢ ብምግባር ዉልቃዊ ረብሓታቶም ንምምላእ ዘካይድዎ ዘለዉ ፍሹል ኣኼባ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣