እቲ ካብ
ፌዴራል ቤት ምኽሪ ዝተለኣኸት ወ/ሮ ሙሉነሽን ናይ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝኾነ ብናልፋን ዝመርሕዎ ህዝቢ ፎኖት ሰላምን ከባቢኣን ኣኼባ ስለምንታይ ናይ ምርጫ ካርድ
ዘይትወሰዱ ክብሉ ንዘቕረብዎ ሓሳብ። ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝነፀግዎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት
እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ። እቶም ተኣከብቲ ኣስዕቦም ሓሳቦም እንትገልፁ። ነቶም ልኡዃት ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ። ንዓና ዝዉክል
ዉድብ ክሳብ ዘይሃለወ ክንመርፅ ኣይንኽእልን ንስኻትኩም ብሓሶትን ምትላልን ኢኹም ትመርሑና ዘለኹም መረፅና ኣይመረፅና
ምምራሕኹም ኣይተርፍን ንሕና ግና ካብቲ መረፃ ንርብሖ የብልናን ክብሉ ቁርፅ ብዝበለ ኣገላልፃ ከም ዝነገሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተመሳሳሊ
ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ህዝቢ ከተማ ቡሬ ነቲ በቶም ልኡዃት ብሽመካዉ ዝተመረሐ ብዛዕባ ምርጫ ዝምልከት ፀቕጢ ዝተሓወሶ
ጎስጓሳትን ኣኼባታትን ከም ዘይተቐበሎ ተፈሊጡ፣