Pages

Friday, February 22, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ፀረ-ሙስና ተባሂሎም ብመራሕቲ ወያነ ዝተሾሙ ኣባላት። ንባዕሎም ኣብ ግዕዝይና ጢሒሎም ከም ዘለዉ ነበርቲ ካብ’ቲ ከባቢ ገሊፆም፣



ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝገለፅዎ። ብመራሕቲ ወያነ ብሽም ፀረ ሙስና ተባሂሎም ዝተሾሙ  ሰባት ንባዕልቶም ኣብ ከቢድ ግዕዝይና ከም ዝጠሓሉን ብፍላይ ድማ ኣብ መሬት ምሻጥ ተዋፊሮም ብሚልዮናት ገንዘብ ይድልቡን ናብ  ውልቃዊ ረብሓኦም ጥራሕ ይዋፈሩን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
 እዞም ሰራሕተኛታት ወሲኾም ከም ዝበልዎ። እዞም መሬት ህዝቢ ብምሻጥ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጥፍፋእ ዝተዋፈሩ።  አቶ ገብሩ ፀሓይነህ ከምኡን  አየነው አለሙ ካልኦትን ዝርከብዎም ምስ ዓበይቲ ነጋዶ እናተመሻጠሩ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ገበናት ፍርዲ ክዋሃቦም ህዝቢ ንዘቕረቦ ክሲ። እቶም ዳያኑ ብወገኖም ብዋሕስ ንኽወፁ 30 ሽሕ ቅርሺ ጉቦ ከም ዝተቐበሉን። ብድሕሪኡ ድማ እቲ ክሲ ጠቕሊሉ ንኽስረዝ 150 ሽሕ ብምቕባል ነፃ ኢሎም ከም ዘሳናበትዎም ናብቲ ዝነበሮዎ ስራሕ ከም ዝተመልሱን ገሊፆም፣
  እቶም ገበነኛታት ንኽወፁን ጉቦ ንዳያኑ ንኽዋሃብ ብኡ ኣቢሎም ብነፃ ንኽወፁ ዘተሓባበረ። ናይ ባህርዳር ላዕለዋይ ኣማሓዳሪ ኣይተ ስማቸው ወንድማኣገኝ ኢዱ ኣእትዩ ከም ዝሰርሓሉን ነቲ ፍፃመ ቅርበት  ዘለዎም ወገናት ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣