Sunday, February 24, 2013

ኣብ ክልል ኦሮሞ ንኣባ ገዳ ዝተኣከበ ገንዘብ ብሰበ-ስልጣናት እቲ ስርዓት ከም ዝተሰረቐ ተሓቢሩ፣


ብባህሊ ጉጂ ኦሮሞ ሓደ አባ ገዳ ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ ጉማታ ወይ ህያብ ብልምዲ ካብ ህዝቢ ዝእከብ ኮይኑ። ኣብ’ዚ ዓመት እዚ አባ ገዳ ጉማታ ንምእካብ ምድላው ኣብ ዝጅምረሉ ጊዜ። ናይ ዞባ ቦረና  መንግስታዊ ሰበ ስልጣናት ድሕሪ ሕዚ ጉማታ ወይ ህያብ ክእከብ ዘለዎ ብመንግስቲ እዩ ብዝብል ምኽንያት። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሞ ጉምታ ዝእክቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ተዋቒሮም ንህዝቢ ይምንዝዕዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣
  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ሰበ ስልጣናት መንግስቲ  ኣብ ሕብረተሰብ እናዘሩ ብሽም አባ ገዳ ዝኣከብዎ ብጣዕሚ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ንአባገዳ ከየረከቡ። ብቐጥታ ዝተወሰነ ገንዘብ ንመንግስቲ ዝተወሰነ ድማ ንባዕሎም ይማቐልዎ ብምህላዎም። ነበርቲ እቲ ከባቢ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ባህልና ንምፍራስ ዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ እዩ ብምባል። ተቓውምኦም እናገለፁ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
   እቲ አባ ገዳ ብመንግስቲ ጉምታ ምእካብ ከም ዝጅመር ሓንቲ ሳንቲም እዉን ብዘይምርካቡ። አባ ገዳን ናሃቱ ተወከልትን ጥርዓኖም ኣቕርቦም ሰማዒ ክረኽቡ ብዘይምኣሎም ተቖጢዑ ዝፀንሐ ህዝቢ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ተወከልቲ  ቤት ምኽሪ ዝተዋፅኡ አባላት ፓርላማ ናብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝኸድሉ ግዜ። መንግስቲ ንኣባ ገዳ ዝምልከት ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ኮነ ኢሉ ባህልና ንምንእኣስን ኣፍልጦ ንዘይምሃብን ዝሰርሖ ዘሎ እዩ ብዝብል። ኣብ ልዕሊ እቶም ተወከልቲ ከቢድ ተቓውሞ ሰልፊ ከም  ዘካየዱ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
    ሰበስልጣን መንግስቲ ዝኣከብዎ ገንዘብ ብትኽክለኛ መጠኑ እንተዘይተፈለጠ እኳ ነበርቲ እቲ ዞባ ካብ 100 ቅርሺ ክሳብ 15 ሽሕ ቅርሽን ብርክት ዝበላ ከፍትን ለጊሶም ከም ዝነበሩ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣