Pages

Sunday, February 24, 2013

ብሽፋን ግድብ ኣባይ ብርክት ዝበለ ስርናይ ብመካይን ተፃዕኑ ካብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብክልል ብቤንሻንጉል ኣቢሉ ናብ ሱዳን ክወፅእ ከም ዝተታሐዘ ተፈሊጡ፣



ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2005 ዓ/ም  ከባቢ ጀሚሩ ብርክት ብዝበላ ተሳሓብቲ መኻይን ስርናይ ፅዒኖም። ካብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብሕቡእ ብክልል ቤኒሻንጉል አቋሪፆም ናብ ሱዳን  ክኸዱ እንትታሓዙ ንኣባይ ግድብ መስርሕ ዝዉዕል ስሚንቶ ኢና ፅዒና ብዝብል ኣታሊሎም ክወፁ ከም ዝፈተኑ ተሓቢሩ፣
 ክሳብ ሕዚ መንነቶም ብትኽክል ንምፍላይ ዘይተኻኣሉ ግለሰባት ቅድም ሕዚ ስርናይ ፅዒኖም ናብ ሱዳን ወሲዶም ከይሸጡ ከም ዘይተርፉ ግምቶም ዝሃቡ ምንጭታትና። እዘን ሕዚ ተታሕዘን ዘለዋ መኻይን‘ዉን ዝምልከቶም ኣካላት ክፍተሹ እንትብሉ “ንግድብ አባይ ዝኸውን ሲሚንቶ ኢና ፅዒንና” ብምባል ነቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ተግባሮም ሕጋዊ መንገዲ ኣምሲሎም ንምትላል ዋላ እኳ እንተፈተኑ። ኣብ ዝተገብረ ተፍቲሽ ግና ኩለን እተን ናይ ፅዕነት መካይን ምስ  ተሳሓብተን ዝፀዓነኦ  ሲሚንቶ ዘይኮነስ  ስርናይ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
በቲ መንገዲ ክኸዳ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ዊዒለን ዝነበራ ልዕሊ 15 ስርናይ ዝፃዓና ናይ ፅዕነት መካይን። ናብ አዲስ አበባ ክምለሳ ድሕሪ ምግባሮም ኣንፈት ብምቕያር ብኢሉ-ባቦር መቱ ገይሮም ካብ ሃገር ክወፁ ከም ዝተገብረ ንጉምሩክ ቅርበት ዘለዎም ተዓዘብቲ ካብ’ቲ ቦታ ብፉሉይ ንፍኖተ ነፃነት ኣረዲኦም፣
እቲ ተፃዒኑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝወፅእ ዘሎ ስርናይ ብጥሜት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ክዉዕል ተባሂሉ ዝመፀ ምዃኑ ዝገለፁ ምንጭታት። ይኹን’ምበር ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣካላት መንግስቲ። ናብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብሓገዝ ዝተላኣኸ ስርናይ የለን ብምባል ምስ ሰብ ሃፍቲ እናተሻረኹ የጠፋፍእዎን መዉፅኢ መንገዲ የጣጥሕሎምን ከም ዘለው ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣