Pages

Tuesday, May 21, 2013

ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ውድብ ጋድሌ ርክብ ኣላኩም ዝተብሃሉ ሰበ ስልጣንን ፖላዊስን ሓዊሱ 14 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ።



ምስ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ውድብ ዓፋር ጋድሌ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ ዉሽጢ ናይቲ ቀበሌ ኣቦ ወንበር፤ ኣባል ቤት ምኽሪ እቲ ወርዳ፤ ሓደ ፖሊስን ሽማግለታትን ከም ዝርከብዎም ዝገለፀ’ቲ ሓበሬታ፣ መብዛሕትኦም እቶም ብፌዴራል ፖሊስ ዝተኣሰሩ ወገናት ድማ ኣብ’ዚ ቐረባ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 70 መንእስያት ዓፋር ናብ’ቲ ውድብ  ድሕሪ ምንፅባሮም ተኸቲሉ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
   ካብ’ቶም ምስቲ ውድብ ምትሕብባር ኣለኩም ብዝብል ካብ ዝተኣስሩ ሰባት ኣቦወንበር ቀበሌ ሩማይቶ ኣይተ ዓብዱሊ ሞሚን፤ ኣፈጉባኤ ኖር ኣሊ ኣዛዚ ፖሊስ ያዮ ኣሊ፤ አብዱጀሊል አንፈሬ፤ ሙሀመድ አሊ፤ ሙሀመድ ኢሴይ፤ ሙሀመድ ዩሱፍ፤ አቦ አብዱ፤ ፎካ ሃሌ፤ ሃቢብ መሀመድ፤ አብዱል ሁሴን፤ ወዲ 70 ዓመት የሱፍ አህመድን ከምኡ’ውን ኣይተ አብዱ ኑርን  ዝተባሃሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።