Pages

Friday, May 17, 2013

ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨዉ ዝርከብ ብሕርሻ ዝመሓደር ሓረስታይ ህዝብና መዳበርያ ኣይንወስድን ብምባሉ ዝተፈላለየ ጥቕማ ጥቕሚ ከይወስድ ይግበር ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣፣



እቲ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ መጠን ዋጋ መዳበርያ ምዉሳድ ንሓረስታይ ዘርብሕ ዘይኮነስ ዘይነበሮ ዕዳ ዘምፅእ ኮይኑ ስለ ዘሎ፣ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ክነሐጉስ ኢልና መደባርያ ኣይንወስድን። እንተኣድልዩና ድማ ዓሚ ዝወሰድናዮ ኣለና ብምባል ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓወሞ ተፈሊጡ፣፣
ካብቶም መዳበርያ ኣይንወስድን ዝበሉ ሓረስቶት ዉሽጢ ንህዝቢ ንኸይወስድ ኣለዓዒልኩም ዝተባሃሉ ወገናት ብመንግስቲ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ጥቕማ ጥቕሚ ንኸይወስዱ ዝተኣገዱ ንምጥቃስ።-
1.  በርሀ ተስፉሁነይ
2.  ታከለ ኣስፍሃ ክልትኦም ኣብ ጣብያ ጣበዛ ዝነብሩ ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣
  ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ተኣኪቦም ዝነበሩ ናይ ሽድሽተ ወረዳታት ኣባላት ዉድብ ህወሓት ዘመናዊ ድኹዒ ኣይንወስድን ከም ዝበሉ ተገሊፁ፣፣
  እቶም መዳበርያ ኣይንወስድን ዝበሉ ኣባላት ዉድብ ንምርዳእ ይምልከቶም ዝተበሃሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ዞባ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣኼባ ኣካይዶም ክቕበልዎም ብዘይምኽኣሎም። ኣብ መወዳእታ ሓረስታይ ብመንግስቲ ዝተባሃሎ ክትግብር ስለ ዘለዎ፣  ናይ ሕርሻ መሬት ዝዉንን ዘበለ ሰብ ተፀዊዑ መዳበርያ ብኣስገዳድ ክወስድ ኣለዎ።  ኣይወስድን ዝበለ ድማ ሕርሻ መሬቱ ተመንጢሉ ጥራይ ኢዱ ክተርፍ ብምግባር ዝኾነ መንግስታዊ ኣገልግሎት ከይረክብ ክግበር ኣለዎ። ብዝብል ሓሳብ እቶም ሕለፍቲ እቲ ዞባ ነቲ ኣኼባ ከም ዝዛዘምዎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣