ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከባቢ 650 ዝኾኑ መምህራን፤ 420 ናይ ግብርና ሰራሕተኛታት፤ ካብ 300-350 ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታትን ልዕሊ 550 ናይ’ቲ ወረዳ መንግስታዊ ምምሕዳራት
ሰራሕተኛታትን ብሓባር ብምዃን ኢኮኖምያዊ ሕቶ ከም ዝልዓሉ ተፈሊጡ።
እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝብልዎ፣- “ወርሓዊ መሃያ ምዉሓደ ከይኣክል፤ ካብአን ዘይተርፍ ግብሪ መንግስቲ ይቑረፆ። ናይ ህወሓት አባልነት መዋጮ ይቕነሶ፤ ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ይቑረፆ፤ ናይ ግድብ ኣባይ ይላዓሎ፤
ናይ ቀይሕ መስቀል ዝቑረፆም’ውን ኣሎ እዚን ከምዚ ዝኣምሰለን
ምቅንናስ ማእለያ
የብሉን። በዚ‘ውን
እቲ ምቁርራፅ ስለ ዝበዝሐ ተፃርዩ ኣብ ኢድና ዝበፅሕ ብጣዕሚ ውሑድን ንኡሽተይን” ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ። “ስለዚ
በዘን ውሑዳት ገንዘብ እቲ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ተወሲኽዎ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ትርከብ።” ክብሉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ
ዘለዎም ብምረት ኣረዲኦም።
ሽግሮም ንምምሕዳር እቲ ዞባ ንምርዳእ እንተፈተኑ’ውን፣ ‘ወፃኢ ይበዝሓና ኣሎ’ ምስ በልዎ፤ እቲ ምምሕዳር’ውን ናይ መንግስቲ
ትእዛዝ ስለ ዝኾነ እንገበሮ ነገር የለን’ ስለ
ዝበሎም። ንሳቶም ድማ ‘እንተናኣሰ ናይ ህወሓት
አባልነት መዋጮ ይቀነሰልና’ ክብሉ ንዘቕረብሉ ተደጋጋሚ ሕቶ፣ እቲ ምምሕዳር ድማ ተገልቢጡ ‘ማንም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዝኾነ ሰብ ናይ ህወሓት አባል ክኸውን
ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ
ግን ካብ
ስርሑ ይባረር’ ብምባል
ስለ ዘፈራረሖም። በዚ
ተስፋ ዝቖረፁ ሰራሕተኛታት ስርሑ እናራሕረሐ ፈቐድኡ እግሩ ናብ ዝመረሖ ፋሕ ፋሕ ይብል ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።