Monday, January 27, 2014

ኣብ ቤት ህንፀት ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ተዳጒኖም ዝርከቡ እሱራት ንህይወቶም ዘድሊ ቀረብ ይረኽቡ ብዘይምህላዎም ብተመሓላለፍቲ ሕማማትን ካልእን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣




እቶም ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ትግራይ ዝተኣከቡ ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመን ዝርከብዎም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ እሱራት። ንዕለታዊ ህይወቶም ካብ ዘድልይዎም ከም ምግቢ፤ ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣትሒዝካ ክሳብ ንነብሶምን ክዳኖምን ዘፅርይሉ ማይ ይረኽቡ ብዘይምህላዎም። ብዝተፈላለዩ ተላባዕቲ ሕማማት ተታሒዞም ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉሉ። ሕክምናዊ ሓገዝ ስኢኖም ኣብ ኣሰካሕካሒ ህይወት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንግዳያት  መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከባ  ክፍሊታት ብልዕሊ ዓቐን እሱራት ዓቕለን ፀቢብወን ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ። እሱራት ነታ ንጎኖም ዘዉድቑላ ባይታ ተሓሪምዎም ኣብ ርእሲ ኣብ ርእሲ ተመሳቒሎም ለይቲ ከይተረፈ ኮፊሎም ወይ ከም ቅያር ጠጠዉ ኢሎም ክሓድሩ ይግደዱ ብምህላዎም። በዙይን ካልእ ተደረብቲ ፀገማትን ኣካላቶም ማሲኑ ንሓደጋ  ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ የረድእ፣