Pages

Wednesday, January 22, 2014

ኣብ መቐለ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ማሕበር ሸማቶ ብዝብል ሻጥር ሰባት ብምዉዳብ መተሓሓዚ ኣባላቶምን ካድረታቶም ይጥቀምሉ ከም ዘለው ተገሊፁ፣




ብሃገር ደረጃ ብፍላይ ከዓ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዕለታዊ ጠለባት ብፍላይ ከዓ ሃለኽቲ ነገራት ዝረአ ዘሎ በቢመዓልቱ ምዉሳኽ ዋጋ ተበሊፆም ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ባዕሎም ንዘደልይዎምን ዝመረፅዎምን ሰባት በቢከባብኡ ማሕበር ሸማቶ እናበሉ ብምዉዳብ ካብ ግብሪን ካልኦት ዕዳታትን ነፃ ኮይኖም ክንቀሳቐሱ ብምግባር ከም’ዉን ካልኦት ብቐሊሉ ክረኽብዎ ዘይኽእሉ ከም ሽኮር፤ ዘይቲ፤ ሕሩጭ ፊኖምን ዝኣምሰሉ ብፍሉይ ከከፋፊሉ ብኽባር የተሓሕዝዎም ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ፣

መንግስቲ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ብጥቕማ ጥቕሚ እናደለለ መሳርሒ ዕድመ ስልጣኑ ዝኾንዎ ሰባት ኣብ ምምልማል ብሰፊሑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከዓ ንህዝቢ መቐለ ዕለታዊ ህይወቱ ዘድልይዎ ጠለባት ከም ሽኮር፤ ዘይትን ሕሩጭ ፊኖን ዝኣምሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ጠቕሊሎም ካብ ዕዳጋ ሰዊሩ ብመንገዲ ባዕሉ ዝወደቦም ኮራኹሩ ክከፋፈሉ ይገብር ብምህላዉ፤ ፈትዩ ፀሊኡ ነባሪ ህዝቢ ምስኦም ክመሓዞምን ኣባሎም ክኸዉን ኣብ ምግባር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ፣