Pages

Thursday, July 3, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓመታዊ ገምጋም ብዝብል ብሓሰን ሽፋ ዝተመረሐ ኣኼባ ዝተረኸቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌዴራል ፖሊስ “መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝዉሰድ ዘሎ ስጉምቲ ጉጉይ እዩ” ከም ዝበሉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ መላእ ሃገር ተዋፍሮም ናይ ዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ኣኼባ “ፌዴራል ፖሊስ” ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ትኽክል ኣይኮነን፣ መንግስቲ ብፌዴራል ፖሊስ ክፍፀም ከዉርዶ ዝፀንሐ ትእዛዝ ክሳብ ሎሚ ክትግበር እናገበርና እኳ እንተፀናሕና መሰረታዊ ጌጋ ኣለዎ፣  እዚ ድማ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝተኸወለ ስለ ዘይኮነ ፅባሕ ንጉሆ ንዓና ዘድሕነና የብልናን፣ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ከስተኻኽል ኣለዎ” ክብሉ ብትሪ ከም ዝተዛረቡ ተፈሊጡ ኣሎ፣፣

ኣስዒቦም እቶም ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣዘዝቲ ፌዴራል ፖሊስ “ካብ ሕዚ ንዳሓር ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ሰላማዊ ህዝቢ ክጭፍጪፉ ይኹን ክጨዉዩን ክኣስሩን ንሕና መምርሒ ኣይንህብን፣ ዝብደል ዘሎ ህዝቢ ኣብ ሓደ እዋን  ክሓተና ስለ ዝኽእል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝፍፀሙ በደላት ተሓተቲ ክንከዉን ኣይንደልን” ብምባል ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ዓፋኒ ኣካይዳ ከም ዝተቓወምዎን ገለ ኣዘዝቲ ፌዴራል ፖሊስ’ዉን ነቲ ምርድዳእ ዘይነበሮ ኣኼባ ብምቅዋም ዝወፁ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣