Wednesday, November 12, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ንዝርከቡ ተምማሮ 2ይ ብርኪ ካድረታት ህወሓት ኣኪቦም ናብ ዉትህድርና ክስለፉ ብ24 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ጎስጓስ ከም ዘካየድሎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣





   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ተማሃሮ 2 ብርኪ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ካብ ስዓት 12 ኣጋ ምሸት ክሳብ ሰለስተ ናይ ምሸት ካድረታት ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ዕፁዉ ኣደራሽ ኣኪቦም ብጀካ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብቲ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርከብ ተወላዲ ትግራይ ዝኾነ ወተሃደር ኣዚዩ ዉሑድ ስለ ዝኾነ፤ ነዚ ድማ ንስኹም ክትሽፍንዎ ኣለኩም ብምባል ብዳይረክተር ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ካልኦት ካድረታት እቲ ገዛኢ ጉጅለ ብምዃን ፅዑቕ ጎስጓስ ከም ዘኻየደሎም ተፈሊጡ፣

   ብተማሳሳሊ ድማ ብደረጃ ሃገር  ኣብ 10 12 ንዝወድኡ ተማሃሮ ናብ ዉትህድርና ክኣትዉ ካድረታት እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ጎስጓሳት ተፀሚዶም ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣