ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ተማሃሮ 2ይ ብርኪ
በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ካብ ስዓት 12 ኣጋ ምሸት ክሳብ ሰለስተ ናይ ምሸት ካድረታት ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ዕፁዉ ኣደራሽ ኣኪቦም
ብጀካ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብቲ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርከብ ተወላዲ ትግራይ ዝኾነ ወተሃደር ኣዚዩ ዉሑድ ስለ ዝኾነ፤ ነዚ
ድማ ንስኹም ክትሽፍንዎ ኣለኩም ብምባል ብዳይረክተር ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ካልኦት ካድረታት እቲ ገዛኢ ጉጅለ ብምዃን
ፅዑቕ ጎስጓስ ከም ዘኻየደሎም ተፈሊጡ፣
ብተማሳሳሊ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ 10ይን 12ተን
ንዝወድኡ ተማሃሮ ናብ ዉትህድርና ክኣትዉ ካድረታት እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ጎስጓሳት ተፀሚዶም ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣