Wednesday, November 12, 2014

ኣብ ትግራይ ቅድም ክብል ካብ ምኽልኻል ሰራዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተፋንዮም ዝፀንሑ ወተሃደራት ዳግም ንምምላስ ብኣካላት ፀጥታ ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ስጉምቲ ይዉሰድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣





   ብመሰረት እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝበፀሓና ሓበሬታ  ነቲ ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ስራዊት ኣጋጢሙ ዘሎ ምብትታንን ምጥፋእን በቶም ካብ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሸተ ዓመታት ኣትሒዞም ካብ ምክልኻል ሰራዊት ለቒቖም ዉልቃዊ መነባብርኦም ክመርሑ ዝፀንሑ ወተሃደራት ኣቢሎም ንምክሕሓስ ካብ ሰፈሮም እናሃደኑ ይኣስርዎም ምህላዎም ተፈሊጡ፣

   እቶም ካብ ዉትህደርና ተፋንዮም ኣብ ሲቪላዊ ስራሕቶም ተዋፊሮም ዝፀንሑ ወተሃደራት ነበር፤ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ወዲቑኩም ኢሉ ቆላሕ ኢልዎም ከም ዘይፈልጥ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ይኹን‘ምበር ሕዚ ውሽጡ በኹቢኹ ሰራዊቱ እናራሕርሕዎ ብምኻዶም ከም መወተፊ ነዃሉ ክጥቀመሎም ዝገብሮ ዘሎ ላዕሊ ታሕቲ፤ በቲ ህዝቢ ዓብዪ ተቓዉሞ የጋጥሞ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት፣   

  ብተመሳሳሊ ኣብ ኩሎም ግንባራት ዝርከቡ ወተሃደራት ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ  ብዝኸፈአ መልክዑ ኣሃዱኦም ራሕሪሖም ናብ ቤተሰቦምን ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ይጠፍኡ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤  እቲ ጠንቂ  ድማ በቶም ሓለፍቶም መሰሎም ተገፊፉ ኢ-ሰብኣዊ  ግፍዕታት ይወርዶም ስለ ዘሎ ከም ዝኾነ ካብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

  በቲ ምጥፋእ ናይ’ዞም ወተሃደራት ዝተፀገሙ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰራዊት ነቶም ዝኾብለሉ ወተሃደራት ንምሓዝ ነናብ ከባቢኡ ተኣመንቲ ዝባሃሉ ካድረታት ኣዋፊሮም ምስ ኣመሓደርትን ኣካላት ፀጥታን ተሻሪኾም  ኣሲሮም ንኽመልስዎም ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፉ ተፈሊጡ፣