Pages

Wednesday, November 12, 2014

ኣብ ሃገርና ዘለው ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ብዛዕባ መረፃ ዝምልከት ጎስጓሳት ንህዝቢ ኣኪቦም ከየካይዱ በቲ ገዛኢ ጉጅለ ይተዓናቐፉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣





  ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ገዛኢ መንግስቲ ኢህወዴግ ንመረፃ ኣመልኪቱ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ጎስጓሳት እናገበረ ዝርከብ ኮይኑ፤ እቶም ተቓወምቲ ውድባት ግን ብሰንኪ ዕንቅፋት ናይ’ቲ ስርዓት ክሳብ ሕዚ ጎስጓስ ንክገብሩ ዕድል ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ፣

    ኣብ ዝኣልፈ ሰሙን ሕህህህህህንንሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምርጫ ቦርድ ኣኼባ፤ ሓላፊ ናይ’ቲ ምርጫ ቦርድ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ተቓወምቲ ካብ ሕዚ ጀሚሮም ህዝቦም ብምእካብ ጎስጓሳት ከካይዱ ከም ዘለዎም፤ ካብ ጥሪ 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ድማ ናይ ሚድያ ሸፈነ ከም ዝረኽቡ ብሚድያ እኳ እንተገለፀ/ ኣብ ቅድሚ ማህበረሰብ ዓለም ዴሞክራሲያዊ መሲሉ ንኽረአን ንህዝቢ  ኢትዮጵያ ንምድንጋርን ደኣ ‘ምበር ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብሰፊሑ ኣብ ህዝቢ ይዝረበሉ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣

ብተወሳኺ እዚ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ንመበል ሓምሻይ ግዜ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ምስሉይ ምርጫ 2007 ዓ/ም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኢህወዴግ ካብ ስልጣኑ ክንኣልዮ ኢና ናይ ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ውድባት መራሕትን ኣባላትን ምርጫ ዝምልከትን መደባቶምን ንህዝቢ ከላልዩ ኣብ ዝፍትንሉ ግዜ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ናይ ፀጥታ ኣባላት ዝተፈላለየ ምኽኒት እናፈጠሩ ይኣስርዎም ከም ዘለዉን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣