ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከባብታት ዓዲ ጎሹ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ሰሊጥ ዘሪኦም
ዝኸረሙ ሓረስቶት። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰሊጦም ነጊፎም የእትዉ ኣብ ዘለዉሉ። ናይ’ቲ ዞባን ወረዳን ኣመሓደርቲ ዘይተፈቐደ መሬት
ሓሪስኩም ከሪምኩም ብዝብል ምኽንያት። እሙናት ካድረታቶምን ኣባላቶምን ኣዋፊሮም ክሳብ ሕዚ ኣስታት 1,300 ኩንታል ሰሊጥ
መንጢሎም ከም ዝወሰዱ ተገሊፁ፣
ካብቶም ምህርቲ ሰሊጦም ዝተመንጠሉ ሰባት ንገለ ንምጥቃስ፦
- ተስፋይ ሳህለ ነባሪ ዓዲ ጎሹ 40 ኩንታል
- የኔሁን ገብረኪዳን ነባሪ ዓዲ ጎሹ 55 ኲንታል
- ገብረስላሰ ሃፍቱ ነባሪ ማትረብየል 30 ኲንታል
- ፀጋይ ግደይ ነባሪ ማትረብየል 35 ኲንታል ሰሊጥ ከም ዝተወሰዶም ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣማሓደርቲ ከባቢ በረኸት 2006/2007 ዘሪኦም ዝኸረሙ መናእሰይ ነቲ
ሰሊጥ ምእንቲ ከይዓፅድዎ ብ5 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ሙላት ኣዳነ፤ ክፍላይ ክፍለ፤ ኣደራጀዉ ገብረማርያምን ካልኦት ንግዚኡ
ሽሞም ዘይተፈለጡን ዝርከብዎም ንፁሃት ዜጋታት ኣብ እሱር ተዳጒኖሞም ከም ዝርከቡ ምግላፅና ይዝከር፣