Pages

Wednesday, November 12, 2014

ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ክልል ኦሮሚያ በቶም ብዝተፋላለዩ ምኽንያት ዝቐተሎምን ዝኣሰሮምን ዜጋታት ንዘጋጥሞ ዘሎ ተቓዉሞ ንምሽፋን ክብል መደናገሪ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ተገሊፁ፣





  

   ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወደግ ኣብ’ቲ ክልል ዝተፋላለየ ሰበባት እናፈጠረ ንዝቐተሎምን ኣሲሩ እናሳቐዮም ንዝርከቡን ንፁሃት ወገናት ተኸቲሉ ንዘጋጠሞ ዘሎ ተቓዉሞን ፖለቲካዊ ክሳራን ንምሽፋን፤ እሙናት ካድረታቱ ኣዋፊሩ ህዝቢ ኦሮሚያ በቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘበነ ንግስነት ሚኒልክ ብካራ እናተሓረደ ይቕተል  ከምዝነበረን ኣዝዩ ከም ዝተጎድአ ብኢህወደግ ግን  ዴሞክራሲያዊ መሰሉ ከም ዝተረጋገፀሉ ንምምሳል ኣብ ፅዑቕ ጎስጓስ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣

    እቶም ንመጎስጎሲ ተባሂሎም ዝዉቀሱ ዘለዉ ሕሉፋት ስርዓታት ደርግን ሃይለስላሰን ንህዝቢ ኦሮሚያ ይቐትሉን ይኣስሩን ከም ዝነበሩ ብሰንኮም ኣዝዩ ተወፂዑን ተፀቒጡን ፀኒሑ፤ ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ግን ኩሉ ክብርታቱን ዴሞክራስያዊ መሰላቱን ከም ዝተሓለወሉ ንምምሳል ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ነቲ ኣብ ሕሉፋት ስርዓታት ተፈፂሙ ዝብሎ ግፍዒታት ብዝበኣሰ መልክዑ እናፈፀመ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዛዕባ ሚኒሊክ ምጉስጓስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቅርሕንቲ ክፍጠር ብምግባርን ምትእምማን ብምጥፋእን ዕድመ ስልጣን ኢህወዴግ ንምንዋሕ ዝግበር ዘሎ እከይ ተግባር ምኳኑ ዝዝረበሉ ዘሎ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ፣