Pages

Tuesday, November 4, 2014

ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መፃኢ መረፃ ተኣሳሲሩ ሓደሽቲ በተንቲ ኣድማ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ምስልጣን ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣




  ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ዝመፅእ ግንቦት 2007 ዓ.ም ምስሉይ መረፃ ንምክያድ ሸበድበድ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ግዜ። ህዝቢ ትግራይ ክመርፆ ከም ዘይኽእል ኣቐዲሙ ሰለ ዝፈለጠ። ስልጣኑ ንዘይምልቃቕ ድምፂ ህዝቢ ሰሪቑ ስዒረ ንኽብል ኣብ ከተማን ገጠርን ንዝለዓል ተቓዉሞ ብሓይሊ ጨፍሊቑ ንምሓዝ። እቲ ክልል ክእዝዞም ዝኽእል በተንቲ ኣድማ ሓይሊ ፖሊስ ካብ 20 ጥቅምቲ ጀሚሩ የሰልጥን ምህላዉ ምንጭታና ገሊፆም፣
    በታኒ ኣድማ ሓይሊ ፖሊስ ክሳብ ሕዚ ካብ ፌዴራል ወፃኢ ስልጠና ተዋሂቡ ከም ዘይፈልጥ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን ህላወ ዉድብ ህወሓት-ማሌሊት ንምዉሓስ ቅድሚ ሕዚ ተገይሩ ዘይፈልጥ ኣብ መሰልጠኒ ፖሊስ ኲሓ ኣብ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና በታኒ ኣድማ። በብወረድኡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተዋፂኦም ዝስልጥኑ ዘለው እንትኾኑ። ዝተኣዘዝዎ ብዘይተቓዉሞ ዝፍፅሙ ምንም ዘይፈልጡ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣