Tuesday, November 11, 2014

ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከቡ ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑ ዜጋታትና። ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፈ ግብሪ መንግስቲ እግሪ ክተኽሉ ከም ዘይከኣሉ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ስዑድ ዓረብ ተሰዲዶም ክነብሩ ፀኒሖም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እግሪ ክሳብ እትተኽሉ ዘድሊ ምትሕብባር መንግስቲ ክግበረልኩም እዩ ተባሂሎም ብምትሕብባር ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ተመሊሶም ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ደቀቕትን ኣናሽተይን ስራሕቲ ካብ ዝተዋፈሩ ወገናት። እቶም ልዕሊ 100 ዝኾኑ ብ21 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣብ ዉሽጢ ስለስተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ። ግብሪ ክፈሉ ምስ ተብሃሉ። መንግስቲ ክንድዚ ዝኣክል ግብሪ ክንከፍል ምዉሳኑ። ዳግም ተመሊስና ናብ ስደት ክንከይድ እዩ ዘገድደና ዘሎ ክብሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መረረቶም ከም ዘስምዑ ንምፋልጥ ተኻኢሉ፣
ነቶም ስደተኛታት ወኪሎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል መረረቶም ዘቕረቡ ንገሊኦም ንምግላፅ።  ሓጎስ ብርሃነ መሳርሒ እንዳ ኤሌክትሮኒክስ ዝኸፈተ፤ ኣስመላሽ ሓድጉ ቤት ምግብን ካፊተሪያን ዝኸፈተ ከምኡ’ውን ርግኣት ታደሰ ዝተበሃለት ዜጋ ካፊተሪያ ከፊታ ክትሰርሕ ዝፀንሐትን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣