ንግዳያት
መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣመሓደርቲ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ንነባሪ ህዝቢ ወረዳ
ኢሮብ ጣብያ ሓራዛ-ስብዓታ ብ14 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣኪቦም እምባ ዓሲምባ መካነ-እንስሳ ከም ዝኾነን፤ በዚ ምኽንያት ከዓ
ኣብታ ጣብያ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ዕንዲፊ፤ ካሶማለ፤ ኣላሂቶን ያሆዳጋን ዝነብሩ ወገናትና ብዘይ ሓደ ካሕሳ ክለዓሉ ከም
ዝተወሰነ ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ፤
·
ዓስቦም ካሕሳይ ናይ’ቲ ወረዳ ፈፃሚትን ኣቦ ወንበር መናእሰይን፤
·
ምክትሉ ፍሱሕ ግደይ ክኢላ ሕርሻ፤
·
ኣለማ ብሩ ናይ’ቲ ወረዳ ፕሮፖጋንዳን
ምስ ወልዱ ሓጎስን ኣብ ቅድሚ ተኣካቢ ኣብ ዝተዛረብሉ ብተኣከብቲ ምሉእ ብምሉእ ዉድቂ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፣
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ መራሕቲ እቲ መድረኽ በቲ ተቓዉሞ ህዝቢ ተቖጢዖም ካብ ዝኣሰርዎም ሰባት፦
·
የዉሃንስ ዑመር ናይ ጣብያ ሓራዛ ስብዓታ ፕሮፖጋንዳ፤
·
ፍስሃየ መድህን ናይ ጣብያ ሓራዛ ስብዓታ ኣካያዲ ስራሕ፤
·
ኣለም ኣሰፋ ናይ ቁሸት ፀሓፊ፤
·
ሓዱሽ ሓጎስ ተወካሊ ቁሸት፤
·
ኣብርሃ ስብሓት፤ ንጉስ ኣብርሃ ናይ ጣብያ ርክብ ህዝቢ፤
·
ስዩም ስሙር ናይ ጣብያ ሓላፊ ልምዓት ጉጅለን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣