Pages

Tuesday, November 11, 2014

ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ትግራይ ነገሮም ንዝደለዮም ኣባላት ፖሊስ ገበን ፈፂምኩም እናበለ። ብዘይወዓልዎ ኣሲሩ ኣብ ምስቓይ ከም ዝርከብ ምንጭታትና ገሊፆም፣




   ብመሰረት ዝበፅሓና ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣብ ሽረ ዝርከብ ገጠር ፖሊስ ጣብያ ተመዲቦም ኣብ ምስራሕ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ዝኾኑ። ረዳት ሳጅን መትከል ልጃለም ምስ ጉዕሽ ዝተብሃለ ንግዚኡ ሽም ኣቡኡ ዘይተነፀረ ኣባል ፖሊስ። ኣብዚ ቅንያት እሱራት ሰዲድኩም ብዝብል ፈጠራ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣

   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዞም እሱራት ሰዲድኩም ብዝብል ሰበብ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ። ኣብ’ቲ ፖሊስ ጣብያ ምስ ስራሕ ምድቦም ተኣሳሲሩ ብንፁር እገለ ዝብሃል እሱር ዝጠፈአ ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላፅ። ይኹን‘ምበር ሓለፍቲ ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል ብተለኣኣኽቶም ኣቢሎም ክትትል ክገብሩሎም ፀኒሖም ከእስሮም ዝኽእል ምኽንያት ስለ ዝሰኣኑሎም። ብርሑቕ ንዝዕዘብ ሰብ ንምድንጋር ክጥዕሞም እሱራት ኣጥፊኦም እዮም ተኣሲሮም እናበሉ ወረ ይነዝሑ ከም ዘለዉ እቲ  ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣