ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ እዚ ሰሜን
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ሰራዊት ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኣብ’ቲ ዝሓለፈ
መረፃ ኢህወዴግ ስለ ዝሰዓረን ግንቦት 20 ብድምቀት ንምኽባርን ብዝብል ምኽንያት ካብ ድሌት ሰራዊት ወፃኢ ካብ’ቲ ናይ ባዕሎም
ወተሃደራዊ ክበብ ኩሉ ሰራዊት ኣባል ናይ’ቲ እዚ ዝኸፍሎ 12,625,836 ብር ወፃኢ ተገይሩ ከም ዝተጠቐመሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ብዘይ ዝኾነ ፍቓድ ካብ ሕድሐድ ወተሃደር ናይ ወርሓዊ ግንቦት ደመወዝ
125 ብር ክቑረፅ ዝተገብረ ሕጋዉነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ መላእ ናይ’ቲ እዚ ኣባላት ሰራዊት ተቓዉምኦምን መረረቶምን ይገልፁ ምህላዎም
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።