Pages

Sunday, June 14, 2015

ኣብ ሰሜን እዚ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኣብ መረፃ ኢህወዴግ ስለ ዝሰዓረን ግንቦት 20 ብድምቀት ንምኽባርን ተባሂሉ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ወርሓዊ ደመወዞም 125 ብር ብዘይፈቓዶም ከም ዝተቖረፀ ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ እዚ ሰሜን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ሰራዊት  ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኣብ’ቲ ዝሓለፈ መረፃ ኢህወዴግ ስለ ዝሰዓረን ግንቦት 20 ብድምቀት ንምኽባርን ብዝብል ምኽንያት ካብ ድሌት ሰራዊት ወፃኢ ካብ’ቲ ናይ ባዕሎም ወተሃደራዊ ክበብ ኩሉ ሰራዊት ኣባል ናይ’ቲ እዚ ዝኸፍሎ 12,625,836 ብር ወፃኢ ተገይሩ ከም ዝተጠቐመሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቲ ብዘይ ዝኾነ ፍቓድ ካብ ሕድሐድ ወተሃደር ናይ ወርሓዊ ግንቦት ደመወዝ 125 ብር ክቑረፅ ዝተገብረ ሕጋዉነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ መላእ ናይ’ቲ እዚ ኣባላት ሰራዊት ተቓዉምኦምን መረረቶምን ይገልፁ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።