Sunday, June 14, 2015

ኣመሓዳሪ ወረዳ መራኛ ዝነበረ ቀፀላ ሻረዉ ዝተብሃለ ናይ’ቲ ስርዓት ካድረ ንሰፍትኔት ተባሂሉ ዝተመደበ 2,867,284 ብር ንዉልቂ ጥቕሙ ከም ዘዉዓሎ ተገሊፁ።



 ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ፤ ወረዳ መራኛ ኣመሓዳሪ ዝኾነ ቀፀላ ሻረዉ ዝተብሃለ ካድረ ምስ ናይ ገጠር ጣብያን ሞያተኛታት ሕርሻን ብምትሕብባር ሰፍትኔት ዘይተጠቐሙ ሰባት ሽም ዝርዝርን ፌርማን ብምድላዉ 2,867,284 (ክልተ ሚሊዮን ሸሞንተ ሚኢትን ሱሳን ሸውዓተን ሽሕን ክልተ ሚኢትን ሰማኒያን ኣርባዕተን) ብር ከም ከም ዝሰረቐ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተገበረ ዓመታዊ ባጀት ሒሳብ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
   ምንጭታትና ኣስዒቦም ከም ዝሓበርዎ እዚ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ወረዳ ክሳብ ሕዚ ብሕጊ ዝጠየቖ ናይ መንግስቲ ኣካል ዘየለ ኣብ ኣኼባ እቲ ኣማሓዳሪ ከም ዝወሰዶ ናይ’ቲ ወረዳ ፋይናንስ ሰራሕተኛ ዝኾነ ባየ ኣመነ   ኣብ ዘቃልዕሉ ግዜ እቲ ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ወረዳ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንባየ ናብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘእተዎ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።