ብመሰረት ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያን
መምህራን ነቲ ሓደ ን5ተ ዝብል ኣወዳድባ ስለ ዝተቓወምዎ ካብ 20- 23 ግንቦት 2007 ዓ/ም ብላዕለወት ሰበ
ስልጣን ዝተገበረሎም ኣኼባ ኢዴሞክራስያዊ ከም ዝነበረ ምስ መረፃ ብምትሕሓዝ ኣብ ሃገርና ሰላም፤ ናይ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን
ከይመፅእ ምኽንያት ዝኸዉን ዘሎ ናትኩም ፀረ-ዴሞክራስያዊ ተግባር እዩ ብምባል ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዝተቓወሞ ተፈሊጡ።
ኣብ ሕክምና ኮነ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተቐቢልና ተግባራዊ ኣይንገብርን
እንተደሊኹም ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ክተባርሩና ትኽእሉ እኹም ኢሎም ኣብቲ ኣኼባ ድምፆም ሰስምዑ እንተኾኑ ናይቲ ክልልን ናይ ሲቪል
ሰርቪስ ተወከልትን ኣብ’ቲ ኣኼባ ተረኺቦም በብደረጅኡ ሓሳብ ዋላ’ኳ እንተሃቡ ዝተቐበሎም ኣካል ከም ዘየለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ’ዚ ሕዚ ስዓት እቲ ስርዓት ብዘቐመጦ ናይ ዓፈና ኣወዳድባ ኩሎም ናይ
መንግስቲ ሴክቴራት ብነፃነት ናይ ምስራሕ መሰሎም ዝተነፈጎም እንትኸዉን ኢህወዴግ ንመናዉሒ ዕድመ ስልጣኑ ንሱ ብዝደለዮ መንገዲ
ጥራሕ ዘገድድ ኣሰራርሓ ብምኽታሉ ሰራሕተኛታትን መንግስትን ሕቆን ከብድን ኮይኖም ከም ዘለዉ ኣብ ዜናታትና እናገለፅና ምፅናሕና
ይፍለጥ።