ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ህዝብታት
ደቡብ፤ ዞባ ደቡብ ኦሞ፤ ወረዳ ሳላማጎ፤ ጣብያ ኦሞ-ሃና ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ካድረታት እቲ ስርዓት
ኣብ መንጎ ክልተ ዓሌታት ንዝወልዕዎ ጎንፅ ስዒቡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ
ነዚ ሰበብ ብምግባር ድማ ፌደራል ፖሊስን ናይቲ ክልል ፖሊስን ብሓባር
ብምዃን ኣባላት ተቓወምቲ ፓርቲታት ዝፈጠርዎ ሸርሒ እዩ ብምባል ብ26 ግንቦት 2007 ዓ/ም ሓደ ኣምባቸው ታየ ኣድነው ዝተብሃለ
ኣባል መድረኽ ዝርከቦም 10ተ ሰባት ጨውዮም ናብ ከተማ ሃዋሳ ከም ዝወሰድዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዚ በተደጋጋቢ ዝካየድ ዘሎ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝዉላዕ
ጎንፂ በቲ ስርዓት ኮነ ተባሂሉ ነቲ ሕብረተሰብ ንኽፈላለን ሓድነት ንከይህልዎን ዝፍፀም ሽርሒ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ
ኣረዲኡ።