Friday, June 12, 2015

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ከተማ ወረታ ሓደ ናይ ገዛኢ መንግስቲ ዕጡቕ ንባዕሉ ወሲኹ ሰለስተ ህይወት ብምጥፍኡ ምኽንያት ኣብታ ከተማ ህዉከት ከም ዝተፈጠረ ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ከተማ ወረታ ነባሪ ዝኾነ ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ፀጥታን ገዛኢ ስርዓት ዝሰርሕ ዝነበረ ዕጡቕ ኣባል ቤት ምኽሪ ናይ’ቲ ወረዳ ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ኣመልኪቱ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ 29 ግንቦት 2007 ዓ.ም ንባዕሉ ወሲኹ ንባዓልቲ ቤቱ ምስ ኣኮኣ ብዝዓጠቖ ከላሽን ኮፍ ተኲሱ ምቕታሉ ስዒቡ ንነባሪ ህዝቢ ከም ዘቖጠዖ ነበርቲ ተዛሪቦም።
ናይ’ታ ከተማ ነበርቲ ሞዋቲት ሰበይቱ ቅድም ኢላ ናይ ተቓወምቲ ዉድባት ኣመለኻኽታ ከም ትድግፍን ከም ዝመረፀትን ደጋጊማ እንትትዛረብ ደስ ከም ዘይብሎ ዝፈልጡ እኳ እንትኾኑ ምስ ቀታሊ በዓል ቤታ ኣብቲ እዋን እንታይ ከም ዘባኣሶም ክሳብ ሕዚ ዘይተፈለጠ ነገር ዋላ’ኳ እንተዘይ ሃለወ እቲ ንባዕሉን ስድርኡን ናይ ምቕታል ስጉምቲ ግን ዉፅኢት ብልሹዉ ምሕደራ ገዛኢ ስርዓት ብምባል ነበሪቲ እታ ከተማ ይዛረቡ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።