Pages

Wednesday, June 10, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መረፃ ብዝተተሓሓዘ ብዙሓት ወገናት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 11 ቤት ትምህርቲ “ለም” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝማሃሩ ተምሃሮ ብዘይወዓልዎ ገበን  ምስ መረፃ  ብምትሕሓዝ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ይእሰሩ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ዝተኣስሩ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ገለ ንምጥቓስ  መንእሰይ ሲራክ ለማ ተማሃራይ 9ክፍሊ፤ ያሬድ ፋሲልን ኣላምረው ይደግን ተማሃሮ 10ክፍሊ ሓምሽተ ተምሃሮ ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
   እዞም ተማሃሮ ንስኹም ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ኮይንኹም ንተምሃሮ ዓመፅ ንከልዕሉን ናይ 10 ክፍሊ ማትሪክ ፈተና ኣይንፍተንን በሉ እናበልኹም ተለዓዕሉ ኣለኹም ብምባል ብ19 ግንቦት 2007 ዓ/ም ካብ ቤት ትምህርቲ ለም ብፖላዊስ ተታሒዞም ከም ዝተውስዱ ንምፍላጥ ተካኢሉ።
  እዚ ከምዚ ዓይነት ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ተግባር ኣብ ቤት ትምህርቲ “ለም” ጥራይ ዝረአ ዘሎ ዘይኾነስ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ እከይ ተግባር ገዛኢ ስርዓት ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።