ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ
ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ፍሉይ ሽሙ ቢያራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ነባራይ ዝኾነ ተኽላይ መዓሾ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ “ን12
መዓልቲታት ኣብዚ ከባቢ ኣይተርኣኻን ናብ ዉድብ ዴምህት ኢኻ ኬድካ ቀኒኻ ሕዚ ትመፅእ ዘለኻ” ብዝብል ብናይ ሓሶት ገበን ተኸሲሱ
ብ22 ግንቦት 2007 ዓ/ም ምሸት ስዓት 2ተ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብሓይሊ ኣዉፂኦም ናብ ባድመ ከም ዝወሰድዎ ምንጭታትና
ኣረዲኦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰበ ስልጣን ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለዩ ዶባትን
ከባብታትን ሃገርና መዓልታዊ መነባብሮኡ ንምምራሕ ንዝንቀሳቐስ ዜጋ ሰብኣዊ መሰላቱ ብምግፋፍ ኣሲሮም ኣሰቃቒ ብዝኾነ መንገዲ ምርመራን
መግረፍትን እናዉረድሉ ከም ዝርከቡ ምንጭታትን ወሲኾም ኣረዲኦም።