Friday, September 4, 2015

ጉባኤ ህወሓት ኢህወደግ ጉባኤ ልምዓት ክኸውን ኣይኽእልን


     ኣብ1967 ዓ/ም ዝጀመረን  ብህዝቢ ትግራይ ተስንዩ ይካየድ ዝንበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ 1969 መስራቲ ጉባኤ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 12 ጉባኤታት ኣካይዱ’ዩ። ሓደ ጉባኤ ክካየድ እንተሎ ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ኣመራርሓን ብብቕዓትን ቅልጥፍናን ዕማማቱ ክፍፀም ንምግባር፥ ደረጃ ምዕባለ ሃገር ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምስግጋር፥ ኣብ ደረጃ መነባብሮ ሕብረተሰብ ለውጢ ንምምፃእ፥ መሰልን ነፃነትን ዜጋታት ንምኽባር፥ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ብሓፈሻ ናብ ዝማዕበለ ደረጃ ንምስግጋር ተባሂሉ’ዩ።
   እንተኾነ ግን ኣብዞም ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ ናይ ህወሓት ጉባኤታት ዝኾነ ለውጢ ክንዕዘብ ኣይከኣልናን፣ እቲ ሕዚ ንህዝብና ብብሄርን ብዓሌትን ጎዛዝዩ ብዓይኒ ምጥርጣር ንክንረአአ ዝተወሰነ “ዝኾነ ብሄር ብሄርሰብን፤ ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን ክሳብ ምንፃል ዘለዎ መሰል ብዝኽነ መልክዑ ብዘይገደብ ዝተሓለወ እዩ።” ዝብልን ካልኦት ፀረ ህዝቢ ውሳነታት ዝፀደቐሉን ኣብ ጉባኤ ህወሓት እዩ።
     እዞም ሕዚ ንነዊሕ እዋን ስልጣን ሒዞም ከም ቁርዲድ ደም ህዝብና ዝመጡ ዘለው መብዛሕትኦም መራሕቲ፣ መሰረቶም ጉባኤታት ህወሓት እዩ፣ እዞም ካብ ድኻ ሕብረተሰብና እናመንጠሉ ውልቃዊ ሃፍቶም ዘኻዕብቱ ዘለው መራሕቲ ኣብ 1977 ዓ/ም ህዝብና ብሓለንጊ ጥምየት እናተገረፈን ብጥምየት ከም ቆፅሊ እናረገፈን እንከሎ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንህዝቢ ተባሂሉ ብረዲኤት ዝመፀ ገንዘብን እኽልን ንሕና ኢና እነከፋፍሎ ኢሎም ብምቕባል ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ንመመስረቲ ማሌሊትን ንካልእ ወተሃደራዊ ስራሕን ክውዕል ዝገበሩ እዮም።
     ሰበ ስልጣን ህወሓት ኢህወደግ ብዝነበሮም ፀረ ዴሞክራሲያዊ አካይዳን ውሽጣዊ ምብልላዕን ብ1993 ዓ/ም ኣብ ክልተ ጉጅለ ገማዕማዕ ኣብ ዝበለሉ እዋን ውድብና በስቢሳ፥ ሸቲታ ብምባል ባዕሎም ኣብ ላእለዋይ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ከይተረፉ ክኣምኑ ክኢሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣፍ ኣውፂኦም ተዛሪቦሙሉ እዮም። እቲ ዝገርም ግን ክሳብ ሕዚ በስቢሶም ኣብ ዘለውዎ ደሪቖም ብሰንኪ ምትራፎም ኣብ ሃገርን ህዝብን  ለውጢ ከምፅኡ አይከአሉን፣ ዘምፅእዎ ለውጢ እንተደኣ ሃልዩ ብዝዋህለልዎ ዘይተኣደነ ገንዘብ ንባዕሎምን ቤተሰቦምን ኣብ ዝተመቻቸወ ሂወት ከንብሩ ምኽአሎም’ዩ።
    ዝመፀ ለውጢ እንተደአ ሃልዩ ንዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ናብ ትሕቲ ዜሮ ምውራድ፥ ምእንተ ሓቂ ንዝማጎቱ ሰባት ምቕንፃልን ካብ ስራሕ ወፃኢ ጌርካ ክመኽኑ ምግባር፤ ብሽም ኢንቨስትመንት ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬትና ካብ ድኻታት ሓረስቶት እናመንጠልካ ንናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ምዕዳል፤ ብሓፂሩ እቲ ለውጢ ዝበሃል ንዓቐብ ዘይኮነስ ንቑልቁል፤ ንቕድሚት ዘይኮነስ ንድሕሪት እናኸድካ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝመልስ ከም ዝኾነ ኩሉ ህዝብና ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ።
   ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ዓለም እናማዕበለት ትኸይድ ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ህዝብና ግን ገና ካብ ድሕረት ከይወፀ ብተመሓላለፍቲ ሕማማት እናተሳቐየን ሂወቱ እናሰአነን ይርከብ፣ ብለገስቲ ሃገራት ንድኻታት ማሕበረሰብ ተባሂሉ ዝመፀ መድሓኒት ብኽባር ዋጋ ክሽየጥ ብምግባር ሰኣን መሐከሚ ሰብ ህይወቱ ምስኣኑ ንመራሕቲ ህወሓት ምዕባለ እዩ። ዴሞክራስያውያን ውድባት ብናይ ድህንነት ሓይልታት እናዳኸምካ ስልጣን ከም ርስቲ ሒዝካ ርብዒ ክፍለ ዘመን ውሑድ እዩ ገና ክንገዝእ ኢና ምባል ንመራሕቲ ህወሓት ኢህወደግን ኮራኹሮምን ምዕባለ እዩ።
    ህወሓት 12 ጉባኤታት ብምክያዱ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽአለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ 24 ዓመት ሙሉእ ንህዝብና ዓቕሉ ዘፀንቀቐ ስርዓት እዩ። ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ እዚ ስርዓት እዚ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ካሊእ ህዝባዊ ስርዓት እንትትከል ጥራሕ ስለዝኾነ ሕዝ’ውን ከምዝሓለፈ ቅልፅምና ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ’ዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ቃልስና ክነሐይልን እቲ ንደርግ ዘባረረ ፀረ ግፍዐኛታት ኣፈሙዝና ናብ መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ክነቕንዖ ይግባእ። ምኽንያቱ ጉባኤ ህወሓት ጉባኤ ልምዓት ክኸውን ስለዘይኽእል።