ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ሰቆጣ ዝነብር መላእ ሕብረተሰብ ድርቂ ብዘስዓቦ ንከቢድ ጥሜት ተሳጢሑ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ እዚ ግዜ ዘይህብ ስእነት ምግቢ ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ዝፈልጡ ሰበ ስልጣን እቲ ገዛኢ ስርዓት ቆላሕታ ሂቦም ክግበር
ዝግብኦ ሓገዝ ክገብርሎም ብዘይ ምኽኣሉ ዓዶም እናለቐቑ ይሰደዱ ምህላዎም ንምፍላጥ ተገሊፁ።
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ ናብቲ ከባቢ ዝኣቱ ብቁዕ ኣገልግሎት ዝህብ ፅግርያ ብዘይ ምህላዉ ብእግሮም ክጓዕዙ ነቲ ጥሜት ድኻም ተወሲኽዎ ንዝተፈላላዩ
ሕማማትን ካልኦት ፀገማትን ይቃልዑ ከም ዘለዉን ጥሪቶም እንተኾና እዉን ካብ ሰብ ብዝኸፈአ ብጥሜት ተሳቕየን ይሞታ ከም ዘለዋ ኣብቲ
ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታት ወሲኾም ኣረዲኦም።