ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ምምሕዳር
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣብ ወረዳታትን ቀበሌታትን ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣባላት ኢህወዴግ ነቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካ
ገዛኢ ስርዓት ኣገደስቲ ኮይኖም ብዘይ ምፅንሖም ዝተፈላለየ ምኽንያታት ብምፍጣር ይስጎጉ ኣብ ዘለዉሉ ሰሪሖም ዝበልዕሉ ካልእ መማረፂ
ስራሕ ይኹን መተሓሓዚ ገንዘብ ይወሃቦም ብዘይ ምህላዉ ንዝኸፈአ ማሕባራዊ መንባባሮ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
እዞም ኣባላት ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ከገልግሉ
ዝፀንሑ ሰባት ስለ ምንታይ ንዓመታት ከርተት ዝበልናሉ ስራሕን ኣባልነትን ብዘይ ዝኾነ ክብሪ ንባረር ዝብል ሕቶ ዋላኳ እንተቕረቡ
ጉቡእ መልሲ ዝህብ ኣካል ብዘይ ምርካቦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ስምዒት ሒዞም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።