Tuesday, December 8, 2015

ኣብዚ ቅንያት እዚ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ተፀቢሮም።



ካብ'ቶም ንግዕዙይ ምሕደራ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቃዋም ናብ ዉድብ ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዝኣተዉ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦
- ፍሻለ በየነ ካብ  ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ላ/ኣድያቦ ጣብያ ዕጉብ
- ሓዮሎም መኮነን ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ስሑል
- ኣብርሀት ፍትዊን ሰላም ደስታን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዓገረ ለኹማ
- ፀጋይ ኣብርሃ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ላ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ
- ገብርሂወት ተስፋይ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን  ዝርከብዎም እንትኾኑ፣
መንእሰይ ፍሻለ በየነ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ኣመሓደርቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብግዕዝይና ዝተጨማለቑ ስለ ዝኾኑ ግልጋሎት ደሊኻ ናብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ትኸደሉ ዝደለኻዮ ንክትረክብ ጉቦ እናሃብካ እንተዘይ ኮይኖም ነታ ኣብ ዉሱን ሰዓታት ክትዉዳእ ዝግባእ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናቖፀሩ ኣዋርሕ ከርተት ክትብል ከም ዝገብሩ ኣረዲኡ።
መንእሰይ ፍሻለ በየነ ወሲኹ እንትገልፅ መለለይ መንነት ማለት መታወቅያ ንክወሃቦ ንኣመሓዳሪ ጣብያ ዕጉብ ገብረኣዝብጊ ኪዳነ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን ርብሕ ዝበለ ብላዕ እንትዘይ ሂብካኒ መታወቅያ ኣይህበካን ብምባል ስለ ዝኸኣኒ ኣብ ዕለታዊ ስራሕተይ ካብን ናብን ተንቀሳቒሰ ንኸይሰርሕ ብዙሕ ምትዕንቓፍ ፈጢርለይ እንትብል።
ኣብ መወዳእታ እቲ መንእሰይ ከም ዝበሎ ኣብ ጣብያ ዕጉብ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ነባሪ ህዝቢ ብነፃ ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ምኽንያታት እናፈጠሩ ብዕጡቛት ከም ዘትሕዝዎን ከም ዘገላትዕዎን ካብኡ ሓሊፎም 'ዉን ነገሩ ንዝደለይዎ ሰብ ሕጋዊ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ንመዓልቲታት ኣሲሮም ብምልሻ ከም ዝሕልዉዎ ኣፍሊጡ።