Pages

Tuesday, December 8, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከቡ ነበርቲ ብኣማሓደርቲ ወረዳ ግፍዒ ይበፅሖም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ከባባቢ ገሊፆም።



ምጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣቢያ ኣይናለም ቁሸት ማይ-ትዋሩ ዝርከቡ ነበርቲ ብናይ'ቲ ወረዳ ኣማሓደርቲ ሰናይ ምምሕዳር ስኢና፤ ብልሽውና ይበዝሕ ኣሎ፤ ፍትሒ ብቤተሰብ ኮይኑን ካልኦትን ዝብሉ ናይ ህዝቢ ጥርዓናት ሒዞም ብ6 ሕዳር 2008 ዓ/ም ወኪል ናይ'ቲ ስርዓት ዝኾነት ንሬድዮ ድምፂ ወያኔ ኣብ ዘቅረብሉ ግዜ ሓለፍቲ ናይ'ቲ ወረዳ ድማ ንምንታይ ንዓና ከይነገርኩም ናብ ሚዲያ ትቀዳደሙ ብምባል ናብ ዝነብርሉ ገዛ ብምኻድ ከም ዘፈራርሕዎም ንገሊኦም ድማ ካብ ሴፍት ኔት ከም ዘውፅእዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ምንጪታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ነዚ ናይ ህዝቢ ጥርዓን ሰሚዑ ክሳብ ሐዚ ኣወንታዊ መልሲ ዝህብ ዝምልከቶ አካል ምምሕዳር ከም ዘየለን እኳ ድኣ ብኣንፃሩ  ብሓለፍቲ ፀጥታ ናይ'ቲ ወረዳን ጣቢያን ዝኾኑ ኣካላት ምፍርራሕ ይወርዶም ብምህላዉ እቲ ህዝቢ ድማ ወሓስ ዝኾኖ ኣካል ስለ ዘይብሉ ምስ'ቲ ዘሎ ድርቂ ብምትእስሳር ኣብ ስግኣት ወዲቑ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።