skip to main |
skip to sidebar
Pages
▼
ሃገርና ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕፅረት ኣቕርቦት መከላኸሊ መድሃኒት ተጠቃዒት ሕማም ብጫ ዓሶ ከም ዝኾነት፣ ዉድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ 90
ሚልዮን በዝሒ ህዝባ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዝኸዉን ንሕማም ዓሶ ኣብ
ዝተቃልዐ ከባብታት ዝቕመጡ ብምዃኖም፣ ከም ውፅኢቱ ድማ፣ ብሰንኪ ሕፅረት ኣቕርቦት መከላኸሊ መድሓኒት ብጫ ዓሶ፣ ቁፅሪ በቢ
ዓመቱ ዝሞቱ ዜጋታታና እናወሰኸ ይከይድ ከም ዘሎ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ ሃገርና ኢትዮጵያ
ብሰንኪ ሕፅረት ኣቕርቦት መካላኻሊ መድሓኒት ተጠቃዒት ሕማም ዓሶ ክም ዝኾነትን ነዚ ትሓታቲ ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ቖላሕታ ብዘይ
ምሃቡ ዝመፀ ሓደጋ ብምዃኑ፣ መንግስቲ ተሓታቲ እዩ ክብል እቲ ትካል ወሲኹ ኣረዲ።
No comments:
Post a Comment