Pages

Sunday, October 30, 2016

ንቕሓትን ሓድነትን ህዝብና ብምብራኽ ለውጢ ነቃላጥፍ!!



ንቕሓትን ብራኸ ኣታሓሳስባን ህዝቢ ትግራይ ዘይተሰወጦም ገለ ገለ የዋሃት፣ ዉድብ ዴምህት ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣምን እንተድኣ ኮይኑ ስለ ምንታይ ብብሄሩ ክዉደብ ክኢሉ ዝብል ሓሳባት ኣልዒሎም ክከራኸሩ ይስምዑ እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ ኲናት ዘይዋዓለ በሊሕ ዘስሚ እዩ፣ ብዝኾነ ግን ዴምህት ስለ ምንታይ እዩ ብብሄሩ ተወዲቡ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክንህበሉ።

እቲ ዘልዕልዎ ዘለዉ ሓሳብ ቅኑዕ እዩ ክብል ይካኣል እየ፣ ቅኑዕ እዩ ክብል ከለኹ ግን ንምንታይ እዩ ዴምህት ብብሄሩ ተወዲቡ ዝብል ዘይተረደኦም ክኸዉን ይኽእል እዩ፣ ስለ ምንታይ ዘይተረድኦም ከኣ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፣ መጀመርያ ነገር ዴምህት ዝተወደበሉ እዋንን ወቕትን መዓስ እዩ ነይሩ እንተተባሂሉ፣

ዉግእ ኢትዮ ኤርትራ ናብ ምቅሃም ገፁ ዝኸደሉ ዝነበረን ኣብ መወዳእታ ካዓ ካልኦት ተቓወምቲ ዉድባት ተላዒለን ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዕጥቃዊ ቃልስን ፖለቲካዊ ቃልስን ኣብ ዝጀመራሉ፣ ብፍላይ ከዓ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝጀመራሉ ግዜ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝለዓሉ ዝነበረሉ ዘይቕኑዓትን ዘይፍትሓዉያንን ሓሳባትን መርገፂታትን ግድን ኣፍቲ ግዜ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንድሕንነቱ ጠጠው ክብል ነይርዎ።

ቁፅሪ ሓደ ዉድብ ዴምህት ክቃለሰሉ ካብ ዝመረፀ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ብብሄሩ ተወዲቡ ብሄራዊ ወፅዓ ከም ዘለዎ ክገልፅ ስለ ዝነበሮ፣ ኣብቲ ግዜ ንሱ ዝተወሰደ መማረፂ ወሳንን መሰረታዉን ዘዋፅእን እዩ ነይሩ፣ እንተንኣሰ ኣብታ ግዜ ንሳ ኣብ ዉድብ ዴምህት ካብ ብሄር ኣምሓራ ኣምፂኻ ንዓ ተሰለፍ ኢልካ ክተሰልፎ በየናይ መለክዒ እዩ፣

ካብ ብሄረ ኦሮሞ ንዓ ተሰለፍ ኢልካ ክተእምኖ በየናይ መለክዒ እዩ፣ ንስኻ ትግርኛ እናተዛረብካ ትግርኛ ድማ በላዒኡ ቐታሊኡ ከም ዝኾነ ሰፊሕ ጎስጓስ ይንዛሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ምስ ካልኦት ብሄራት ተወዲቡ ወይ ሕብረ ብሄራዊ ዉድብ ስለ ምንታይ ዘይኮነ እንተድኣ ተባሂሉ ፍፁም ክኸዉን ዘይኽእል እዩ፣ ሎሚ ዘይኮነስ ትማሊ።

ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ተበዲሉ፤ ተጨቊኑ፣ ብሄራዊ ኣድልዎን ወፅዓን ዝበፅሖ ዘሎ ዝርገፅ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ከረጋግፅ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብዉዳበኡ ኣቢሉ ጥራሕ እዩ፣ ልክዕ ከምተን ተወዲበን መስዋእቲ ዝኸፍላ ዘለዋ በረኻ ወፅየን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዳ ዘለዋ ኣብ ዉሽጢ እቲ ስርዓት ኮይነን ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዳ ዘለዋ ዉድባት ቃልሲ ከኻይድ ክኽእል ነይርዎ፣ እዚ ቃልሲ እዚ ተወፂዕና፤ ተረጊፅና፤ ተዳሊና፤ ተጓኒና ኢለን ዘካይድኦ ዘለዋ ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳብ ዝኾነ፣ ህዝቢ ትግራይ ክዓ ልክዕ ከምኣተን በዚ መስመር እዚ ተኸቲሉ ወፅዕኡ ክገልፅ ክኽእል ነይርዎ፣ ስለ ዝኾነ እዩ ከዓ ብብሄሩ ተወዱቡ ህዝቡ ኣበራቢሩ ኣተሓባቢሩ ሓያል ዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ስርዓት ናይ ምሕደራ ሽግር መፅቀጥቲ ክኣሊ ዝኽእል ተስፋ ዝግበረሉ ሓይሊ ፈጢሩ።

እዚ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ብልክዕ ብሄራዊ ወፅዓ፤ ብሄራዊ መፅቀጥቲ ከም ዘለዎ፣ ወያነ ንግሉ ድኣ እንበር ንህዝቢ ዘይዉክል ምዃኑ፣ ንህዝቢ ትግራይ እዉን ጎዳኢኡ ምዃኑ፣ ጨፍላቒኡ ምዃኑ መዝማዚኡ ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ፣ ድሕሪ እዚ ዘሎ ምስ መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ክተሓባበር ኣፀጋሚ ኣይኮነን፣ ብመሰረቱ ካብ መጀመርያ ክንብገስ ከለና እቲ ዉድብ ክብገስ ከሎ ሒዝዎ ዝመፀ ዕላማ ሃገራዊ ዕላማ እዩ።

ሃገራዊ ዕላማ ክመስል ንኹሉ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ከሳትፍ ዝኽእል ዕላማን ፕሮግራምን ሒዙ ክንሱ ኣብ መጀመርያ ክብገስ እንተኾይኑ እዚ ኩሉ ሰብ ኣሚንሉ ክኣትዎ እንተድኣ ኮይኑ መጀመርያ ንሕና ኢና ክንጥዕሞ ዘለና እቲ ሽግር፣ ንሕና ኢና ክንሓልፎ ዘለና፣ ንሕና ኢና ሽግር ከም ዘለና ክነርኢ፣ ወፅዓ ከም ዘለና ክነርኢ ዘለና፣ ክንቃለስ መስዋእቲ ክንኸፍል ዘለና ንሕና ኢና ዝብል መማረፂ እዩ ነይሩ።

በዚ መማረፂ እዚ ከዓ ኣፍቲ ዝለዓለን ዝበረኸን ደረጃ ቅልጡፍ ዝኾነ ለዉጢ ኣምፂኡ፣ ብልክዕ እቲ ወፅዓ ብዝተጋደደ መልክዕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘሎ ኣንፀባሪቑ፣ ህዝቢ ትግራይ ተወፀዑ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ካዓ፣ እቲ ካልእ ህዝቢ ክስለፍ መትከልን ዕላማን ናይቲ ዉድብ ፕሮግራም ናይቲ ዉድብ ኣሚኑ መስዋእቲ ክኸፍል፣ ዉህደት ክፈጥር ጥምረት ክፈጥር ኣኽኢልዎ፣ እዚ ድማ እቲ ናይ መጀመርያ ሒዝናዮ ዝተበገስና መማረፂ መስመር ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ንክንመፅእ ዘኽኣለና ትኽክለኛ መስመር ዝነበረ ምዃኑ እዩ ዘርእየና።

ስለዚ ኣብ እዋን 90ታት ዘልዕልዎ ሓሳብ ቅኑዕ እዩ ነይሩ ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘልዕልዎ ዘለዉ እዉን ተማሳሳሊ ኣፍቲ ናይ መጀመርያ ዝነበረ መበገሲ ሽግር ከየንበቡ ነዚ ሕጂ ዘልዕልዎ ዘለዉ ሓሳብ ምልዓሎም ጥራሕ በቲ ሓደ ገፅ የሕዝነካ፣ ንምንታይ? እንታይ ኮይኑ እዩ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ዓይነት መማረፂ ወሲዱ ዝብል ነገር ንሳቶም እዉን ከም ደቂ ዜጋ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሪእዎ እዩ ዝግባእ ከንብብዎ እዩ ዝግባእ። ነዚ ኣለልዮም ብልክዕ እቲ ሓቃዊ ምንጪ መበገሲ ናይ ህዝቢ ትግራይ፣ እቲ ግዴታ ናይ ህዝቢ ትግራይ፣ እቲ ንቃልሲ ዝደረኾ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድርኺት ወይ ውሳነ እዩ ክፍለጥ ዝግብኦ።
   
      ህዝቢ ትግራይ ስለ ምንታይ ናብ ቃልሲ ወፅዩ፣ ሓደ ዝደፍኦ፤ ዘገድዶ ረቛሒ ኣለዎ፣ እዚ ከዓ እቲ ረቛሒ ንሱ ደፊኡ ኣብቲ ዝብፃሕ ኣብፂሕዎ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና መስመር ሒዝና ኣለና፣ ሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንና ዝስለፈሉ መስመር ከዓ ፈጢርና ኣለና፣ ቃልስና ብግብሪ ብስራሕ ኣርኢና ኣረጋጊፅና ኣለና።

     ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ሓቓፊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከዓ ሓቛፊ ህዝቢ ትግራይ ክኸዉን ድኣሉ ዝግብኦ እንበር፣ ህዝቢ ትግራይ ስለምንታይ እዩ ንበይኑ ተነፂሉ ብዉዳበኡ ተቓሊሱ ዝበሃል ነገር ክመፅእ ግቡእ ኣይኮነን፣ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ናብኡ ኣገዲድዎ ዝብል ነገር እዩ ቀዳምነት ክመፅእ ዝግብኦ።

ህዝቢ ትግራይ ጠምዩ እናሃለወ ከም ዝበልዐ፣ ህዝቢ ትግራይ ድኻ እናሃለወ ከም ዝሃፍተመ፣ ህዝቢ ትግራይ ዝተጨቆነ ዝተረግፀ ፍረመስዋእቱ ዝተኻሕደ ህዝቢ እናሃለወ፣ ከም ምሉእ ናፅነትን መሰለን ዘለዎ፣ ከም ሙሉእ ክብሪ ዘለዎ፣ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ዓቕሙ ዋጋ ኸፊሉ ዋግኡ ዘይረኸበ ዝተጠለመ ህዝቢ እናሃለወ፣ ከም ሓደ ተረባሒ ከም ሓደ መዝማዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ከም ሓደ ወራሪ ሃፍቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ዝቑፀረሉ መድረኽ ስለ ዝነበረ፣ ኣብዚ ግዜ እዙይ ህዝቢ ትግራይ ብዉዳበኡ ብብሄሩ ክዉደብ ግድን እዩ ነይሩ፣ ስለዚ እቶም ነዚ ሕቶ ዘልዕሉ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ነዚ እዮም ኣቐዲሞም ክርእዮ ነይርዎም።

እቲ ድሒሩ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ምስሊ ናይቲ ዉድብ ግን ንማንም ሰብ ግልፂ ስለ ዝኾነ፣ ዝኾነ ሰብ እዉን ኣትዩ ህይወቱ ይኸፍለሉ፣ ምስኡ ይዉደብ ምስኡ ይወሃሃድ፣ ምስኡ ይጥመር ስለ ዘሎ ኣብዚ ኣፈላላይ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን፣ ብፍላይ ኣብዚ ዳሕረዋይ መድረኽ፣ ከም ሰባት ዘልዕልዎ ነገር እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፣ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዝብል ሽም ስለምንታይ ንኢትዮጵያ ዝዉክል ሽም ዘይኸዉን፣ ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ሕቶ ኣይኮነን፣ ሽም ክቕየር ዘፀግም ነገር ኣይኮነን ክቕየር ይኽእል እዩ፣ ምስ ግዜ ብፍላይ፣ ብፍላይ ከዓ እቲ ሕጂ በፂሕናዮ ዘለና መድረኽ ክንበፅሖ ዝግበአና ስለ ዝኾነ በፂሕናዮ እዉን ስለ ዘለና፣ ድሕሪ ሕጂ ሽም ተቐይሩን ኣይተቐየረን ብዙሕ ነቲ ዉድብ መሰረታዊ ነገር ኣይኮነን።
ስለምንታይ እንተድኣ ተባሂሉ ብልክዕ እቲ ክበፅሖ ዝግብኦ እቲ ክወቕዖ ዝግብኦ ሽቶ ወቒዑ እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ መን እዩ? ወያነ ኸ መን እዩ? ብንፁር ኣነፂሩ ህዝቢ ትግራይን ወያነን ፈላልዩ ብምምፃእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብለሉ ዝኽእል መንገዲ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሽግር ናይ ህዝቢ ትግራይ ክርድኣሉን ከንብበሉን ክቕበሎን ዘኽእሎ መንገዲ ፈጢሩ እዩ፣

ስለዚ ቀዳማይ ስጉምትና መሰረታዊን ዉሕሉልን ነይሩ፣ ድሒርና ንኸዶ ዘለና መንገዲ እዉን ከምኡ ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ከዓ ድሕር ሕጂ ክንክተሎ ዝግበአና ሕብረ ብሄራዉን ሃገራዉን መስመር ክንክተል ድልዋት ኢና፣ ጥራይ ዘይኮነስ ውድብና ሕብረ ብሄራዊ ውድብ ካብ ዝኸውን ቀሊል እዋናት ኣይኮነን ኣቑፂሩ፣ ኣብ ናይ ቃልስና ደምበ ንኹሎም ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ዝውክሉ ተቓለስቲ እዮም ዘለዉ።

ምናልባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ ምንቅስቓሳት ናይ ካልኦት ብሄራት ንዕዘብ ኣለና፣ ሓደ መሰረታዊ ነገር ዝኾነ ህዝቢ ክርደኦ ዘለዎ፣ ኢትዮጵያ እንተዳኣ ኢልና ትግራይ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተዳኣ ኢልና ድማ ህዝቢ ትግራይ ምባልና ከም ዘይተርፍ ክርደኦ ይግባእ፣ ህዝቢ ትግራይ ነዛ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያ ነዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርፂ ክትሕዝ ኣብ ምግባር ልዕሊ ማንም ህዝቢ ኢትዮጵያ መስዋእቲ ዝኸፈለ ዝተቓለሰ ካብ ንብረቱ ክሳብ ህይወቱን ህይወት ደቁን ላሓፅሓፅ ዝበለ፣ ዓንዲ ማእኸል ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ኣሜን ኢልና ክንቅበሎ ይግባእ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ።

ከም ትዕድልቲ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ተብተብ ኢሉ ዳሓር ዘጣዕሶ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ዝወስድ ህዝቢ ኣይኮነን፣ ህዝብና ነቲ ብተግባር ዝፍፅሞ ነገር ኣቐዲሙ ብሓሳብ ኣድቂቑ ዝመኽረሉ ዝዝትየሉ ትዕግስተኛ ህዝቢ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንህዝቢ ትግራይ ስለ ዘየቐንዘዎ ኣይኮነን ብትዕግስቲ ሓሊፍዎ፣ ጎነፅ ብጎነፅ ስለ ዘይፍታሕ፣ ኣብ ክንዲ ገይረሞ ኢሉ ዝገብር፣ ናብ ልቦም ንኽምለሱ ህዝቢ ትግራይን እቲ ስርዓትን ነፃፂሎም ዝርእይሉ ዓይኖም ክሳብ ዝኽፈተሎም ክዕገሶም ስለ ዝደለየ ዳኣ እምበር፣ በትሪ ዘልዕ ማሓውር ስለ ዘይብሉ ኣይኮነን።

ህዝብና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣብ ሓድነትን ውህደትን ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ምክእኣልን ምትሕግጋዝን ዝኣምን ናይዛ ዓባይ ሃገር ሓድነትን ቅርፅን ክሕሉ ዝተግህ መስዋእቲ ዝኸፍል ህዝቢ ብምዃኑ፣ በቶም ሃገር ክበታትኑ ዝንቀሳቐሱ ዕላማን መትከልን ዘይብሎም ኢህወደጋውያንን ንዐዖም ዝመስሉ ሓይልታትን መጥቃዕቲ ክወርዶ ከም ዝኽእልን ይወርዶ ‘ውን ከም ዘሎን ርዱእ ነገር እዩ።
እንተኾነ ግን ኣናፍራ’ያ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን” ከም ዝባሃል ንባህሪ ትዕግስትን ጀግንነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ ስንኩፍ ኣታሓሳስባ ስለ ዝኾነ፣ ዝደቀሰ ኣምበሳ ይቕስቕሱ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ህዝብና ክብሪ ኣሕዋቱ ዘይትንክፍ ህዝቢ እኳ እንተኾነ ብደይመደይ ንዕቐቶም ከንፀባርቕሉ ንዝህንደዱ ሓይልታት ግን ብሓያል ማዕበል ፀፊዑ ካባ ስዕረት ኣጎልቢቡ ናይ ምፍናው ውህሉል ተሞክሮ ዘለዎ ፍቱን ህዝቢ እዩ።

ምናልባት ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን እዚ ብማሓውራትን ጥርናፈ ሓደ ንሓሙሽተን ናይቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ቁፅፅር ኣትዩ ይሕሎ ስለ ዘሎ ዳኣ እምበር፣ ኣንፃር እቲ ስርዓት ናይ ምቅላስ ድሌት ስለ ዘይብሉ፣ ወይ ድማ ካብቲ ስርዓት ተረባሒ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን ስቕታ መሪፁ ዘሎ፣ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ከም ዘድሊ ልዕሊ ማንም ይፈልጥ፣ ብኸመይ ክትግብሮ ከም ዝኽእል ‘ውን ኣፀቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ከምቶም ካልኦት ብሄራት ተቖጢዑ ዕግርግር ፈጢሩ መፃኢ ትውልዲ ክጥቀመሎም ዝኽእል ብገንዘብን ራሃፅን ህዝቢ ዝተሃነፁ ትካላት ስለ ዘየዕነወ፣ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ዓሊሙ ዘካይዶ ዘሎ ቅኑዕን ፍትሓውን ቃልሲ ኣንፈቱ ኣስሒቱ ንሃገርና ኢትዮጵያ ክበታትኑ ተልእኾ ባዕዳውያን ምስ ዝፍፅሙ ሓይልታት ዓሪኹ ኣለኹ ስለ ዘይበለ፣ ወይ ድማ ብድሌት ንሓደ ብሄር ዘይውክሉ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይተጓዓዘ ተረባሒ እዩ እሞ ምስቲ ስርዓት ሓዊስና ግዳይ ንግበሮ ዝብል፣ ናይ ሓደ ሓደ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣታሓሳስባ ግን ሰረትን ኣመፃፅኣን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቅል የዋህነት ስለ ዝኾነ ገና ብዕሸሉ ክውገድ ዘለዎ ሓሳብ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ማንም ህዝቢ ዝተወፀዐ፣ ዝተረግፀ ዝተበደለን ብክልተ ዝብልሑ ሴፍ ዝቕዘፍ ዘሎ ህዝቢ ከም ዝኾነ ብዴምህት እናተመረሐ ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ዘካይዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ እኹል ምስክር እዩ፣ ነዚ ሓቂ እዚ ኣይንቕበልን ኢሎም እናራኣዩ ከም ዘይራኣዩ፣ እናሰምዑ ከም ዘይሰምዑ ኮይኖም ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ውክልና ናይ ዝኾነ ህዝቢ ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ንዓሌታዊ ህልቂት ዝዕድም ምንቅስቓስ ጠጠው ከብልዎ ይግባእ።

ምኽንያቱ ሕሉፍ ታሪኽካ ዘይትፈልጥ እንተዳኣ ኮይንካ ቅኑዕ ውሳነ ክትውስንን ክትሓስብን ክተገናዝብን ስለ ዘይትኽእል ንድሕሪት ተመሊሶም ሕሉፍ ታሪኾም ክዝክሩን ደጊሞም ክማሃርዎን ከድልዮም እዩ፣ ታሪኽ ትግራይን ተጋሩን እንተፈለጥዎ ‘ውን ይጠቕሞም እምበር ኣይሃስዮምን። እቲ ምንታይ እሲ ንፅልኢ ትዕድሞ ናይ ዘለኻ ወገን ሓይሊ፣ ኣነፂርካ ምፍላጥ መንነትካን እንታይነትካን ክትፍትሽ ስለ ዝሕግዝ።

ህዝብና ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ቀረብኡ ኮይኑ ኣለኹልካ ዝብሎ ዘራይ ዘለዎ ዘይመስሎም ውክልና ሓፋሽ ዘይብሎም ኣጉባዕባዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀምዎ ዝመፁ በደላት ህዝብና ክሳብ ሎሚ ልቢ የዕቢዩ፣ ተፃዊርዎም ፀኒሑ እዩ፣ እንተ ድሕሪ ሕዚ ግን ንዝኾነ ክብሩ ዝትንክፍ ሓይሊ ክፀውር ከም ዘይኽእል ከፈልጡ ይግባእ፣ እቲ ምንታይ እዚ “ካዓ ጀመረ ህዝቢ ትግራይ ክላዓል በለ” ኢሉ ብምሕንሓን ሓመድ ድበ ደርጊ ዘቃላጠፈ ፍቱን ህዝቢ ብኽብረቱን መንነቱን ንዝመፆ ተበላፂ ንሕስያ የብሉን።

እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ንባዕሉ ሓሊፉ ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከለላ ዝኾነ ካብታ ዝነብረላ ናይ ቀረባ መረበቱ ሓሊፉ ክሳብ ጫፍ ኢትዮጵያ ወፊሩ ንስለ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ መስዋእቲ ዝኸፈለ፣ ዓፅሙ ዝኸስከሰ ኣካሉ ዝጎደለ፣ ግን ድማ ፍረ መስዋእቱ ዘይረኸበ ህዝቢ እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኹሉ ክገብር ከሎ ትፅቢቱ እዚ ኣይነበረን፣ ትፅቢቱ ሓቛፊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ንሳቶም ‘ውን ክሓቑፍዎ ዳኣ እምበር ከምቲ ሕዚ ንዕዘቦ ዘለና ካብ ክልልና ውፃልና እናበሉ ብተዘዋዋሪ ልእኽቶ ናይቲ ስርዓት ከዐውቱ ክብሉ ዝጭፍጭፍዎ ዘለዉ ኣይኮነን።
“ሓጋዚኣ‘ያ ዝራኣየት ባርያስ መዲድ ትሓብእ” ዳኣ ኮይኑ እምበር፣ ህዝቢ ትግራይ ከይሓዝካ ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ ውፅኢቱ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል እዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሕንን ዝብሉ ዘለዉ ውክልና ህዝቢ ዘይብሎም ሓይልታት ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም፣ ንህዝቢ ትግራይ ፈሊኻ ታርጌት ምግባር ድማ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ምንዋሕ ከም ዝኾነ ዝተረደኦም ኣይመስሉን።

ንምዃኑ እንታይ እዩ ዝድለ ዘሎ፣ ሓደ ብሄር ወይ ሓደ ዓሌት እናፈለኻ ክፀንት ምግባር ወይስ ነቲ ስርዓት ኣሊኻ ብካልእ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ ዝድለ ዘሎ፣ ዕላማና ኣብ ፅላል ሓንትን ጥምርትን ኢትዮጵያ ንኹሎም ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ሓቚፉ ብማዕረ ከማሓድርን ሰናይ ምምሕዳር ከስፍንን ዝኽእል ስርዓት ንምትካል ዝዓለመ እንተዳኣ ኮይኑ፣ ህዝብን እቲ ስርዓትን ነፃፂልና ክንርእዮምን ሾቶታት ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክነነፅርን ይግባእ።

ዕላማና ካብዚ መሰረታዊ ጠለብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ወፃኢ እንተዳኣ ኮይኑ ግን ኩሎም ነካይዶም ናብ ሓደ ኣንፈት ዘነፃፀሩ ዓረራት፣ እቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣተባባዕቲ ጥራሕ እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ እምበር፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ምውሓጥ ከም ዘይካኣል ኣብ ዓለምና ናይ ዝተሓለፉ ቃልስታት ተሞክሮ ምፍታሽ መማረፂ ዘይብሉ መድሓኒት እዩ።

ብዝኾነ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ ዴምህት ስለ ምንታይ ብብሄሩ ተወዲቡ ንዝብል ብኣስተንትኖ ዘይተሓሰበሉ ናይ ሓደ ሓደ ወገናት ሕቶ መልሲ ንምሃብ ስለ ዝኾነ፣ በቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ፅሑፍ ዝሃብናዮ መብርሂ ዓጊቦም ክኾኑ ተስፋ ንገብር፣ ብፍላይ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ገልገለ ጉጅለታት ንህዝቢ ትግራይ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ሓዊሶም ግዳይ ክገብርዎ ይሕልኑ ምስ ምህላዎም ተታሓሒዙ ህዝቢ ትግራይ ኣቐዲሙ ብብሄሩ ተወዲቡ ምፅንሑ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከይኮነ ኣይተረፈን።

እዚ ማለት ግን ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለፅናዮ ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ንትግራይ ጥራሕ እዩ ዝቃለስ ማለት ኣይኮነን፣ ኩሎም መትከላቱ መቃለሲ ዕላማታቱ ፅኑዕ እምነቶም ኢትዮጵያነቶም እዩ፣ ኣብ ሓድነትን ልእላውነትን ኢትዮጵያ ኣሚንና ዘንቀልናዮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ንኹሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓቚፉ፣ እታ መላእ ህዝብና ዝምነያ ዘሎ ብማንም ዘይትድፈር ፅንዕትን ተፈራሒትን ኢትዮጵያ ክፈጥራ እዩ።

ብመሰረቱ ግን ህዝቢ ትግራይ ስለ ምንታይ እዩ ብብሄሩ ተወዲቡ እናበልካ ምዝራብ ጥራይ ድዩ? ከምቲ ንሶም ዝብልዎ ሃገራዊ ራኢ ዘለዎ ውድብ ክፍጠር ዝኽእል፣ ፈለማ ብዛዕባ ካልኦት ቅድሚ ምዝራብካ ብዛዕባ ነብስኻ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ፣ እቲ ብብሄር ምውዳብ ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ድዩ ዘይምልከት ወይስ ኣብ ህዝቢ ትግራይ በፂሑ እዩ ነውሪ ዝቑፀር፣

ፈለማ እቶም ንውዳበ ህዝቢ ትግራይ ክንነቅፍ ኢድና ነወጣውጥ ዘለና ጉጅልታት ንሕና ኸ ከመይ ኢና ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣሚንና ዲና ንቃለስ ዘለና? ሓንትን ስምርትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዲና መስዋእቲ ንኸፍል ዘለና? ንኽተሎ ዘለና መቃለሲ መስመር ምፍታሽ ናይ ለባማት ክኸውን እዩ፣ እምነትና ሓድነት ኢትዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ማዕርነት ህዝብታት ሃገርና ንምርግጋፅ እንተዳኣ ኮይኑ፣ ንሓደ ብሄር ፈሊኻ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ጠጠው ክነብሎ ይግባእ።

ፈቲና ፀሊእና ሓደ ክንውሕጦ ዝግባኣና ሓቂ ኣሎ፣ ናይ ብሓቂ ቃልስና ሓድነታ ዝሓለወት ጥምርቲ ኢትዮጵያ ክንፈጥር ዝዓለመ እንተዳኣ ኮይኑ፣ ብዘይካ ተሳትፎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክዕወት ኣይኽእልን፣ ብዘይካ ተሳትፎ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ህዝቢ ኦሮሞን ካልኦት ህዝብታትን ሃገርና ከይተሳተፍዎ ሸትኡ ክወቅዕ ኣይኽእልን፣ ምኽንያቱ ሓበራዊ ረብሓ ብሓበራዊ ቃልሲ ዳኣ እዩ ክረጋገፅ ዘለዎ እምበር ነቲ ሓደ እናሓቖፍካ ነቲ ካልእ እናግለልካ ኣይኮነን ክረጋገፅ ዝኽእል።

ኣብ ትግራይ ሓንሳብ እንተዳኣ ተተባሪዑ መዕገቲ ዘይብሉ ዝተደጎለ ማዕበል ለውጢ’ሎ፣ እዚ ተደጒሉ ዘሎ ማዕበል ለውጢ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ናይቲ ወፅዓ ናይቲ በደል፣ ኣካል ናይቶም ደለይቲ ለውጢ ከም ዝኾነ ኣሚንና ንለውጢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፣ ማዕበል ህዝቢ ትግራይ ክንጥቀመሉ እንተዳኣ ክኢልና እዩ ቃልስና ታርጌቱ ክወቅዕ ዝኽእል።

እንተዘይኮይኑ ገለ ገለ ሓይልታት በዚ ሕዚ ትኽተልዎ ዘለኹም ኣዲኣያ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ ዘምስል ኣካይዳ፣ ቃልስኹም ንገለ ህዝቢ ሓቚፉ ንገለ ህዝቢ ድማ ዘጓኒ ስለ ዝኾነ፣ ቀሊል ዘይባሃል ህዝቢ ናይታ ሃገር ከይፈተወ ናብቲ ስርዓት ክፅጋዕ ዝገብር ስለ ዝኾነ፣ ቃልስኹም ኣናዊሕኹም ስቓይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይተናውሑ ብጥንቃቐ ምሕሳብ ከድልየኩም እዩ።

ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሕድሕዱ ዋላ ሓንቲ ፅልኢ ዝባሃል ነገር የብሉን ሓሓሊፉ ዝረአ ምጥቕቓዕ ዝመስል እንተሎ ድማ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ውፅኢት መደናገሪ ኣካይዳታቱ እዩ ክኸውን ዝኽእል፣ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፣ ኩሉ ፅልኢቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እዩ፣ ስለዚ እዚ ኣብ ሓደ ዓይነት ድሌትን ስምዒትን ኮይኑ ናይ ስርዓት ለውጢ ክመፀሉ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝብና፣ ናብ ሓደ ዕላማ ጠሚሩ ወዲቡን ኣታሓባቢሩን ዘቃልሶ ጥራሕ እዩ ዝደሊ።
ኣብ ወፃኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብፖለቲካዊ መስመር ንቃለስ ዘለና ውድባት፣ ከምኡ ‘ውን ብዕጥቃዊ ቃልሲ መስዋእቲ ንኸፍል ዘለና ሓይልታት ንህዝብና ተድልዮ ዘላ እዚኣ ምዃና ተረዲእና፣ ግዜ ከየምለጠና ዘቲናን መኺርናን ሓደ ውሁድ ሓይሊ ብምፍጣር ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንምልስ ንተዓጠቕ።
ህዝቢ ንህዝቢ ንሕድሕዱ ክጋጮ ምግባር ግን እቲ ስርዓት ባዕሉ ይሰርሓሉ ስለ ዘሎ ንሱ ይኣክል እዩ፣ ናትና ግድ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዕርቂ ፈጢርካ፣ ንቕሓትን ሓድነትን ህዝብና ካበሪኽኻ ናብ ሓደ ኣንፈት ክዘምት ብምግባር ለውጢ ምቅልጣፍ እዩ።

No comments:

Post a Comment