ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ኣንከሻ ንኡስ ዞባ ኣዘና
ዝርከቡ ሓለፍቲ ጥዕና ጣብያ ነቲ ትካል ስራሕ መሳለጢ ተባሂሉ ዝተሰለዐ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀር ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ
መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም ምስ ገለፀ። ብኣንፃሩ ህዝቢ እቲ ንኡስ ወረዳ ብሰእነት ብቁዕ ሕክምና ግዳይ ሕማምን ሞትን ይኸውን
ምህላዉ ገሊፁ፣
ካብቶም ኣብ ምጥፍፋእ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝተዋፈሩ ሰባት ናይ’ቲ ጥዕና
ጣብያ ናይ ገንዘብን ቑጠባን ክፍሊ ሓላፊ ዝኾነ ኣይተ ደረጀ ካብ 2005 ናብ 2006 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ቑፅፅር 142 ሽሕ ብር
ኣጠፋፊኡ ከም ዝተረኸበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እንተኾነ እቲ ገንዘብ ምስቶም ላዕለዎት ሓለፍቱ ተማሻጢሩ ሰለ ዝበለዖ ናብ ቅድሚ
ሕጊ ቀሪቡ ኣድላይ ስጉምቲ ክዉሰዶ ከም ዘይከኣለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ። ንሽሙ
ንጥዕና ጣብያ ስራሕ መሳለጢ እናተብሃለ ተሰሊዑ
ተመሊሱ ብሰበ ስልጣን ናይ ምጥፍፋእ ተግባር ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ዝረአ ተግባር ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ
ይርከቡ፣