Friday, December 13, 2013

ነበርቲ ከተማ ፍኖት ሰላም ዕለታዊ ኣብ ዝገብርዎ ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ፤ ፌዴራል ፖሊስ እናተኸታተለ ግፍዕታት የዉርደሎም ከም ዘሎ ተገሊፁ፣



ኣብ ክልል ኣማሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ነበርቲ ከተማ ፍኖተ ሰላም  ኣብቲ ከተማ ካብ ወርሒ ሕዳር 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ንሓለዋ ተባሂሎም ብዝተወደቡ ፌደራል ፖሊስ  ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ይበፅሖም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከም መፈፀሚ ግፍዒታቶም ከኣ ዝኾነ ሰብ ድሕሪ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ናይ ምሸት ካብ ክልተ ንላዕሊ ተጎጂልካ ምኻድ  ከም ዘይፍቀድን ከም’ዉን ዝኾነ ነባራይ ብዘይ መለለይ መታወቅያ ክንቀሳቀስ ዝተረኸበ ይእሰርን  ይቕጥቀጥን ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ክሳብ ሕዚ’ቶም ፌዴራል ፖሊስ ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ቑፅሪ ዜጋታትና ብዙሓት ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ። ገለ ካብኦም ንምጥቃስ ድማ።-  
* ኣይተ ኣበበ ጌትነትን ምስ ሰለሰተ ኣዕርኽቱ፤
*ኣያና በላይ ምስ ክልተ ኣዕርኽቱን ካልኦትን ዘይተተቐሱን እንትኾኑ።  እዞም ንፁሃት ዜጋታት መንነት ወረቐት ዋላ’ኳ እንተርአዩ ክለቅዎም ከም ዘይከኣሉን። ስለምንታይ ምሸት ናብ መዘናግዒ ስፍራ ትኸዱን ሓቢርኩም ትንቀሳቐሱን ብዝብል ዝሞተ ምኽንያት ፈጢሮም ኣሲሮም ከም ዘፈራርሕዎምን ዘጋፍዕዎምን ከምዘለዉ ተፈሊጡ፣