Pages

Thursday, December 12, 2013

ኣብ መቐለ ብዝፍፀም ዘሎ ቅጥዒ ዝሰኣነ ምፍራስ ገዛዉቲ ዓቕሎም ዝፀበቦም ነበርቲ። ሰሪሖም ዕለታዊ ህይወቶም ክመርሑ ከም ተፀገሙ ሓቢሮም፣




ኣብ’ታ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ወረዳ ሓድነት ቀበሌ 09 ብልሙድ ኣፀዋዉዓ ከባቢ ማይ-ደገነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገዛኹም ልቐቑ ተባሂሎም ተቓዉሞ የስምዑ ከም ዘለዉ ገሊፅና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ። ሕዚ’ዉን ኣብ ከባቢ መቐለ ዩንቨርሲቲ ዝርከቡ ወገናት ገዛዉትኹም ናብቲ ዉሽጢ ዩንቨርሲቲ ግቢ ክኣቱ ተወሲኑ እዩ ብህፁፅ ልቐቑ ስለ ዝተባሃሉ በቲ ሃንደበታዊ ትእዛዝ ተደናጊፆም ኣብ መነባብርኦም ርግኣት ስኢኖም ኣብ ቅልዉላዉ ስለ ዝርከቡ ገለ ፍታሕ ተተረኸበ ብዝብል ተቓዉምኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ። ካብ’ቶም ብህፁፅ ገዛኹም ኣፍርሱ ዝተባሃሉ ከባብታትን ሰፈራትን ንምጥቃስ ዝኣክል። ማይ ደገነ፤ ናይ ቀደም ስታድዮም፤ ከባቢ እንዳስላሰ፤ ከባቢ መናሃርያ፤ ሓምላይ ሆቴል፤ ሚላኖ ሆቴል ሓዊሱ ብዙሕ ከባብታት ዝሸፈነ ብርክት ዝበለ ትካላትን መነበሪ ገዛዉትን ሰብ ዋና ኣፍርሱ ዝብል መምርሒ ምስ ወረዶም ተደናጊፆም። ንምንታይ ቅድመ ምድላዉ ክንገብረሉ ዘይተፍለጡና ብምባል ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርቱዕ ተቓዉሞ የስምዑ ከም ዘለዉን። ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ምላሽ ብምስኣኖም ኣብ ጭንቅን ወጥርን ተፀሚዶም ዕለታዊ ህይወቶም ንምምራሕ ተፀጊሞም ከም ዝርከቡ የገንዝብ፣