ነባርነቶም ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከባቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ ጣብያ ለምለም ዝኾኑ ሓረስቶት። ብሕጋዊ
መንገዲ ተዋሂብዎም ንዓመታት መነባብርኦም ከማሕድርሉ ዝፀንሐ ሕርሻ መሬቶም። ኣብዚ ቅንያት ብዘይሕጋዊ መሰርሕ ምምሕዳር ሕርሻ መሬትኩም ብመንግስቲ ንስራሕ ተደልዩ ወሪስዎ ስለ ዘሎ
ሰብ ዋና ገርሁት ካብ ሕዚ ንደሓር ዝኾነ ይኹን ስራሕ ጠጠዉ ኣብሉ ዝብል ምልክታ ምስ ኣዉፀአ ኣብ ከቢድ ጭንቂን ወጥርን
ወዲቖም ከም ዘለዉ እቶም ግዳያት ገሊፆም፣
እቶም 500 ዝኾኑ
ሓረስቶት ብጀካ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ሕርሻ መሬት ካልእ ንስድርኦም ዝኣልይሉ ሕርሻ መሬት ይኹን መማረፂ ስራሕ ስለ ዘይብሎም።
ብሓደ ድምፂ ናብ ምምሕዳር ከይዶም ተለዋጢ መሬት ክዋሃቦም እንተዘየለ ድማ ግቡእ ካሕሳ ብዘይ ዉፃእ ዉረድ ክዋሃቦም ንዘቕረብዎ
ሕቶ ሰማዒ ኣካል ስኢኖም። መራሕቲ ስድራ ምስ ቆልዓ ሰብይቶም ክወፅእዎ ዘይእኽሉ ቁጠባዊ ፀገም ኣብ መነባብርኦም ኣንፀላልይዎም
ብስነ-ኣእምሮኣዊ ወጥሪ ከም ዝተቓልዑ ኣረዲኦም፣