ኣብ ክልል ኣምሓራ
ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ መሰርሒ ፋብሪካ ሽኮር ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እንኮ ሰድርኦም ሰሪሖም ዘመሓድርሉ ዝነበረ ናይ ሕርሻ
መሬት ተመንጢሎም ጥራይ ኢዶም ዝተረፉ ሓረስቶት። ተለዋጢ መሬት ንኽዋሃቦም ናብ ምምሕዳር ብተደጋጋሚ ክሓቱ ፀኒሖም ክሳብ ሕዚ
እወንታዊ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡ። ምስቲ ምምሕዳር ኣብ ዓብዪ ምጥምማት በፂሖም ከም ዘለዉ ንግድያት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ
ገሊፁ፣
ኣስዒቡ እቲ
ሓበሬታ። እቶም ሓረስቶት ካብ መጀመርያ መሬቶም እንትዉሰድ ብምምሕዳር ብቑዕ ተለዋጢ መሬትን ንግዝኡ ዝኸዉን ካሕሳን ክህቦም
ከም ዝኾነ ቃል ኣትይሎም እኳ እንተነበረ። ዝተኣተወሎም ቃል ክሳብ ሕዚ ተፀቢዮም ብዘይምትግባሩ ብፀገም መነባብሮ ዓቕሎም ፀቂቖም
ኣብ ዘለዉሉ። ኣብ ርእሲኡ ብምምሕዳር ግብሪ ክፈሉ ዝብል መምርሒ ምስ ኣዉረደሎም። ንሕና ሎሚ ይኹን ፅባሕ እንኸፍሎ ግብሪ
የብልናን ካበይ ኣምፅእና ክንከፍለኩም እንተደሊኹም ነታ መነበሪት ስድራና ዝኾነት ገዛ ሽይጥኩም ኣፍሊጥኩም ካብ ዓድና ስጎጉና
ናብ ዓዲ ጓና ክንስደድ ክብሉ ብምረት ከም ዝተዛረብዎም ተፈሊጡ፣