Pages

Thursday, December 12, 2013

መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ክልል ህዝብታት ደቡብ ንሓደ ሰሙን ሙሉእ ብምዕፃዎም ተገልጋሊ ህዝቢ ኣብ ምንግልታዕ ከም ዝቐነየ ተሓቢሩ፣




እቲ ወግዓዊ ብዘይኮነ ኣዋጃ ካብ 26 ሕዳር ክሳብ 29 ሕዳር 2006 ዓ.ም ዝተዓፀወ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ክልል ደቡብ። መዕፀዊ ምኽንያት በቲ ስርዓት መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ብዝብል ኣጠሚቖም ኣብ ከተማ ጅጅጋ ዝሓለፈ 29 ሕዳር ዝተባዕለ ከም ዝኾነን። ናብ’ቲ ቦታ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብሓይሊ ኣገዲዶም ገንዘብ ከዋፅእ ብምግባር ብሓደ ጠርኒፎም ብኣብቶብሳት ፅዒኖም ስለ ዝወሰድዎም ኮይኑ። እዙይ ክገብሩ ዘገደዶም ከዓ   በዝሒ ሰብ ብምእካብ ብዓይኒ ካሜራ ስኢሎም ኣብቲ በዓል ክንዲዚ ዝኣክል ዕዱም ጋሻ ተሳቲፉ ንምባል ብሚድያታት ንምጉዋሕ ክጥዕሞም ዝገብርዎ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፣
ናብ’ቲ ቦታ ክኸዱ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት ገንዘብ ክነዋፅእ ዓቕሚ የብልና ብዝብል ኣመኻንዮም ንዝተቓወሙ ብሓልፍቶም ከቢድ ምፍርራሕን ምፍጥጣን ዝወረዶም ኮይኑ። ይኹን እምበር እቶም ከማኻንዩ ዝፈተኑ ሓለፍቶም ካብ ባጀት መንግስቲ ወፃኢ ጌሮም ብምሽፋን። ብሓይሊ ኣገዲዶም ሰራሕተኛታት ጠርኒፎም ናብ ጅጅጋ ከም ዝወሰድዎምን ኣብያተ ፅሕፈት ንዝመፀ ተገልጋሊ ግዝያዊ ምላሽ ዝህብ እኳ ዘይብለን ንሓደ ሰሙን ሙሉእ ብምዕፃወን ህዝቢ ንዘይ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ እቲ ስርዓት ብትሪ ከም ዝተቓወሞ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣